2010-09-18 15:15:10

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፣ ሓቅነት ሰብ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅድሚ ትማሊ ኣብ ግላስጎው ኣብ ዝርከብ ቤላሆስቶን ሕዝባዊ ሥፍራ ኣታኽትሊ ልዕሊ 70 ሺሕ ምእመናን ዝተሳተፍሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣቕሪቦም ኣብ ዘስምዕዎ RealAudioMP3 ስብከት፣ ባህልታት ብወንጌል ዝተሰብኵ ወይ ድማ ንባህልታት ዝቐርብ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብዚ ናይ ኵሉ ሓደ ኢዩ፣ ምእማን ኮነ ዘይምእማን ፍልልይ የብሉን ናይ ሕይወት ክቡራት ዋጋታት ደረጃ ዝበሃል የሎን ዝብል ምልኪ ተዛማዲ ባህሊ ነቲ ብዛዕባ ዕድሎት ሰናይ ፍጻሜን ፍጥረትን ባህርይን ሰብ ዝምልከት ዘይበርስን ዘይቅየርን ነባሪ ዝኾነ ሓቂ ንኸደብዝዞ ዝፍንዎ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ ዘመን ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ። እምነት ናይ ብሕቲ ኣብ ብሕታዊ ሕይወት ዝንበር ክኸውን ከምዘለዎን ብሕልፊ ድማ እምነት ጸረ ማዕርነትን ጸረ ነጻነት ጌርካ ስለ ዝሕሰብ ብዙሓት ተኣምኖተ ሃይማኖት ካብ ማኅበራዊ ሕይወት ከወግድዎ ይርኤይ። በንጻሩ ግን ሃይማኖት ናይ ሓቀይና ነጻነትን ምክብባርን ንብጻይካ ከም ሓውኻ ጌይርካ ንምርኣይ ዘተባብዓና ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊ ኅብረተሰብ፣ ኣብቲ ርእሰ ዕንወት ዘኸትል ምልካዊ ዝኾነ ትርጉም ኣልቦ ነጻነት ንኸይንነብር ዘመልክተልና ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ግቡእን ብምትብባዕን ንናይ ሓባራዊ ረብሓ ዝተግህ ዜጋ ንምሕናጽ ኣብ ዘብቅዕ መገዲ ንኽጓዓዝ ዝመርሕን፣ ካብቲ ድኻምነቱን ተዓንቃፍነቱ ዝሕልዎ ንጹር ድምጺ ከምዘድልዮ ኣረዲኦም፣ እብዚ ዓይነት ምእንቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝብል ንናይ መጻኢ ዝሓስብ ዓይነት ኣገልግሎት ንምስታፍ ኣይትፍርሁ።

ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ብዙሕ ፈተናታት የጋጥመና ኢዩ፣ እቲ ዓለም ሓጎስ ዝህቡ ቢሉ ካብ ዝቕርበልና በንጻሩ ግን ናብ ዕንወትን ጥፍኣትን ዝመርሑና ዘደንዝዙ ዕጸዋት፣ ሃብትን፣ ጽዩፍ ፅሑፋትን ስእልታትን ፍትወት ሥጋን ስኽራንን ዝኣመሰሉ ፈተናታት ጠቒሶም፣ እቲ ካብ ዝኾነ ይዅን ዓይነት ማራኺ፣ መሠረት ኣልቦ ዝኾነ ናብ ባርነት ዝመርሑና እነነብረሉ ዓለም ዘቕርበልና ምርጫታት፣ ንምስናፍ ዘብቕዓና ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ እንምሥርቶ ብሕታዊ ፍቕሪ ኢዩ። ንዓኡ ድለይዎን ፍለጥዎን ኣፍቅርዎን። ነቲ ክቡር ዋጋ ክኸውን ዘይክእል ነጺግኵም ነቲ ደቂ እግዚኣብሔር ናይ ምዃን ክብርና ግንዛበ ሃቡሉ ከምዝበሉ እንክሕበር፣ ኣብ ፍጻሜ እቲ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ንኽብሪ ቅዱስ ኣቦና እታ ኣብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ንቑሕ ተሳትፎ ዘለዋ ዓለማዊት ምእመን ድምጻዊት ሱሳን ቦይለ እምነትን ጸሎትን ዘርእስቱ ጥዑም መዝሙር ከምዘቕረበት ተገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.