2010-09-18 16:36:59

ስብከት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ኣብ ካተድራል ወስትሚኒስተር


ቅድስነቶም ሎም ንጋሆ ኣብ ካተድራል ጥቀ ክቡር ደመ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ነዚ ዚስዕብ ስብከት ሰቢኾም።

“ዝኸበርኩም ብክርስቶስ ኣኅዋተይ፤ ብሓጐስ ጎይታ ሰላም እንክብለኩም ንምውቅ ኣቀባብላኹም ብልቢ ኣመስግን፤ በስምኩም ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ሠናይ ቃላት ንዘቅረቡለይ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኒኮልስ ኣመስግን፤ ኣብዚ ዚካየድ ዘሎ ርክብ ተላዌ ጴጥሮስን ምእመናን ዓባይ ብሪጣንያን ብሓቂ ‘ልቢ ንልቢ ከምዚዛረብ’ ተዓዚበ እዚ ኸኣ እቲ ካብ ሓዋርያት ዝተመሓላለፈልና ሓባራዊ እምነት ኣብ ፍቅሪ ክርስቶስ ከም እንሕጐስ ይገብረና፤ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ መሠረት ድሕነትና ዘዘኻኽር ካተድራል ጥቀ ክቡር ደመ ኢየሱስ ክርስቶስ እንክንራኸብ ነቲ ፍጹም ምሕረትን ርኅራኄን እግዚኣብሔር ኣቦና ዘመልክት፤ ብሕማማትን ሞትን ትንሣኤን ወልድ ዋሕድ ምእንቲ ድሕነት ኩሉ ዓለም ዝፈሰሰ ጥቀ ክቡር ደም ኢየሱስ ክርስቶስ የዘኻኽረና።” እንክብሉ ዓሚቊ ትርጉም ጥቀ ደመ ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ምግላጽ ኣብቲ ቅዳሴ ዝሳተፉ ንዝነበሩ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዋና ሓላፊ ናይ ካንተርበሪ ሊቀ ጳጳሳ ዶክተር ሮዋን ዊልያምስ ምሳኦም ኣብ ቅዳሴ ብምስታፎም ንዝተሰምዖም ክብሪ ብምግላጽ ፍሉይ ሰላምታን ምስጋናን ኣቅሪቦም።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ካተድራል ዝርከብ ዓቢ መስቀል ኣመልኪቶም እውን ነቲ መድኅኔ ዓለም ክርስቶስ ምእንታና ዝተቀበሎ ሥቃይን መከራን ብምዝካር፤ ክርስቶስ ንጹሕ መሥዋዕቲ ብምዃን ምስ ኣቦ ከምዝ ዓረቀናን ኣብ ሕይወቱ ክንሳተፍ ከምዝብቅዓናን ድኅሪ ገሊጾም ናይቶም ንመንበረ ታቦት ከቢቦም ዝነበሩ ሠራዊተ ክርስቶስ ዝኾኑ ምእመናን ቀንዲ መኣከቢኦም ኣብ መሥዋዕተ ክርስቶስ ዝኾነ ቅዱስ ቊርባንን ፍሬኡን ንኽሳተፉ ከምዝኾነ ኣብሪሆም። እዚ ምሥጢር እዚ ናይቲ ኣብ ዕፀ መስቀል ዝተፈጸመ መሥዋዕቲ ክርስቶስን ክርስቶስ ንቤተ ክርስትያን ዝሃባ መሥዋዕቲ ቅዱስ ቊርባንን ዘሎ ሓድነት ከምዘመልክት ንምግላጽ፤ መሥዋዕቲ ቅዱስ ቊርባን ወትሩ ዓንዲ ማእከል ካትሊካዊ እምነት ኢዩ፤ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብዙሓት ብብርቱዕ ገድሊ ንመሥዋዕቲ ቅዳሴ ተከላኺሎም እኳ ደኣ ነዚ ቅዱስ ተግባር ክብሪ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ሕይወት ንምሃብ ሕይወቶም መሥዋዕቲ ዝገበሩ ከምዝነበሩ ዘኪሮም እዚ ከኣ ምልክት ካቶሊካዊነት ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ከምዝኾነ ጠቂሶም።

መሥዋዕቲ ቅዱስ ሥጋሁ ወክቡር ደመ ክርስቶስ ነቲ ክርስቶስ ምእንቲ ድሕነትና ዝተቀበሎ ሥቃይ ሕማማት ህልው ከምዝገብሮ ጠቂሶም። እዚ ሕማማትን መሥዋዕትነትን እዚ ገና ኣብቶም ኣባላት ምሥጢራዊ ኣካሉ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ወትሩ ኣብ ኩሉ ዘመን ከምዝቅጽልን ኣብዚ ከኣ ክርስቶስ ብምሥጢረ ፋሲካ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳና ከምዝሳቀ የመልክት እንክብሉ እቶም ብመሥዋዕትነት ክርስትና ዝምስክሩ ኣካላት ናይቲ ዝሳቀ በጊዕ ፋሲካ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ቅዱስነቶም እዚ በብዘመኑ ብሰማዕታት ዝኽፈል ደም ዓቢ ትርጉም ከምዘለዎን ንቤተ ክርስትያን ሓዲስ ሓይሊ ከምዝህባን ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፤ “መሥዋዕቲ ክርስቶስ ሎሚ እውን ኣብቶም ምእንቲ እምነት ክርስትና፤ ፍልልይን ስደትን መሥዋዕትነትን ዝቅበሉ ኣሕዋትናን ኣኃትናን የንጸባርቅ፤ ብግሁድ ምስ ዝሳቀዩ ጥራይ ዘይኮነ ምስቶም ዕለት ዕለት ብስውር እናተሳቀዩ ማለት ብሕማም ዝሳቀዩ ዝሸምገሉ ኣካለ ስንኩላን ብመንፈስን ብነፍስን ዝሳቀዩ ንቅድስና ቤተ ክርስትያንን ንድሕነት ዓለምን መሥዋዕቶም ምስ መሥዋዕቲ ክርስቶስ ዘወሃህዱ እውን እቲ ዝሳቀ ክርስቶስ ኣሎ። ኣብዚ ነቶም ብዓመጽ ናይቲ መዳርግቲ ኣልቦ በደል ዝተሳቀዩ ሕጻናት እሓስብ፤ ብኅልፊ ከኣ ኣብ ቤተ ክርስትያን ብውሉደ ክህነት ንዝተፈጸመ ዓመጽ እዝክር፤ ነቶም ንጹሓን ግዳያት ናይዚ ዝኾኑ ካብ መዓሙቊ ልበይ ዝተሰመዓኒ ጓሂ ክገልጽ እፈቱ፤ ምስዚ ኣተሓሒዘ ክገልጾ ዝደሊ ሓይሊ ጸጋ ክርስቶስን ናይ ዕርቂ መሥዋዕቱን ዓሚቊ ምፍውሳን ሰላም ሕይወትምን ክህቦም ተስፋይ ምዃኑ ኣረጋግጽ፤ በዚ ሓጢኣት እዚ ዝተሰማዓና ሕፍረትን ውርደትን ምሳኹም ኮይነ እሳተፎ፤ ነዚ ሥቃይ እዚ ንድሕነት እቶም ግዳይን ንንጽሕና ቤተ ክርስትያንን ንተሓድሶ ኣግልግሎቶምን ኩስኰሳ መንእሰያትን ክኸውን ናብ ጐይታ ክተወፍይዎ እምሕጸነኩም፤ ነዚ ጸገም እዚ ብሓላፍነት ንምብዳሁ ዝገበርክምዎ ጻዕሪ እንዳመስገንኩኹም ኩልኹም ንግዳያት ናይዚ ኣጸያፊ ዓመጽ ንዝኾኑ ፍሉይ ሓልዮት ክትገብሩ ንካህናትኩም ከኣ ክትድግፍዎም እምሕጸን” እንክብሉ ንሥቃይ ነፍሲ ወከፍን ቤተክርስትያንን ምስ ሥቃይ ክርስቶስ ብምትሕሓዝ ንድሕነትን ፈውስን ክኸውን ናብ ኣምላኽ ምውፋዩ ከምዘድሊ ሰቢኾም።

ኣብ መደምደምታ ስብከቶም ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዝገልጾ መሠረት ምእመናን ጥምቀታዊ ግዴታኦም ብምርዳእ ኣብ ተልእኮ ክርስቶስ ክሳተፉ ኣብ ዓለም ከም መባዂዕቲ ስብከተ ወንጌል ኮይኖም ንስፍሓት መንግሥቲ ኣምላኽ ክውፈዩ ሓደራ ብማለት ናይቶም ጽባሕ ብፅዕናኦም ክእውጁ ናይ ዝኾኑ ካርዲናል ጆን ሀንሪ ኒውማን ኣተሓሳስባ ናብ ኩሎም ክሓድር በዚ መንፈስ ተደሪኾም ከኣ ነቶም ካብ ወንጌል ዝሰረጹ ኣብ መሠረት ሰብኣውን ሓቀኛን ነጻን ማኅበረ ሰብ ዚርከቡ ዘይልወጡ ሓቅታት ሞራል ክሕልው፤ ሓደራ ብማለት ስብከቶም ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.