2010-09-18 17:12:44

ሓዋርያውን ወግዓውን ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ዓባይ ብሪታንያ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ረኪበ ጳጳሳት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ ከምኡ ክአ መንግስቲ ብዝገበሩሎም ዕድመ መሠረት ካብ ዝሐለፈ ሐሙስ ጀሚሮም አብታ ሀገር ሓዋርያውን ወግዓውን ዑደት የካይዱ ከም ዘለዉ ዝዝከር ኢዩ ።

ቅድሚ ትማሊ አብ ስኮትላንድ ኤዲምበርግ ምስ ናይ ስኮትላንድ ቤተ ክህነት ላዕሎዎት ሰበስልጣናትን ምስ ንግስቲ ኤልሳቤጥን ከም ዝተራኸቡን ኣአብ ከተማ ግላስጎው መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን ክፍለጥ ከሎ ቅድሚ ትማሊ ምሸት ንላንደን ከም ዝግዓዙ ዝዝከር ኢዩ።

ቅድስነቶም ትማሊ ንግሆ አብቲ አብ ላንደን ዝርከብ መካነ ሓዋርያዊ ወኪል ቅድስቲ መንበር ከም ዝሕደሩን አብቲ አብኡ ዝርከብ ቤት ዝጸሎት ብብሕቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን ይፍለጥ።

ትማሊ ንግሆ ረፍዲ ናብቲ ዘ ትዊንከን ዝርከብ ሰይንይ መሪ ዩኒቨርሲቲ ተጓዒዞም ምስ ናይ ካቶሊካዊ ተቅዋማት መማህራንን ትመሀርትን ከም ዝተራኸቡን ሞራል ማእከል ዝገበረ ህንጸተ ትምህርቲ ከም ዘድሊን ከም ነቶም አብቲ ዩኒቨርሲቲ ተአኪቦም ዝነበሩ ማምህራንን ተመሀርትን ከም ዝገለጹሎም ዝዝከር ኢዩ።

አብቲ ዩኒቨርሲቲ ካብ አርባዕተ ሺሕ ዝበዝሑ ተመሀርቲ ተረኺቦም ከም ዝነበሩ ክምልከት ከሎ አብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ሸሞንት ሚእቲ ሺሕ ዝበዝሑ ተመሀርቲ አብ ናይ ካቶሊካውያን ተቅዋቅማት ከም ዝምሀሩ ተተሐሒዙ ይምልከት።

ትምህርቲ አገልግሎት ንምሉእነት ወዲ ሰብ ከም ዝኾነ ጠቂሶም ክአ ፍልጠት ምድላብ ጥራሕ ዘይኮነስ ክብሪ ሰብ ማእከል ዝገበረ ክኸውን ከም ዝግባእ አገንዚቦም።

ትምህርቲ ሳይንስ አድላዪ ከም ዝኾአነ አመልኪቶም ክአ ምስጢር ሰብአዊ ህልውናን ትርጉም ህይወትን ንጹር ምላሽ ከም ዘየቅረበ አገንዚቦም።

ሥነ ምግባር አብ ግምት ዘየእቱ ፖሊቲካ ባዶሽ ከም ዝኾነ ዘመልከቱ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መንግስታት ንባንክታት ካብ ምኽሳር አድሒኖም ሕጂ አህዛብ ከድሕኑ ከም ዝሐተቱ ተፈሊጡ አሎ ።

ንሐቀኛ ዲሞክራሲያ ፡ ማሕበራዊ ልዝብ አድላዪ ከም ዝኾነ ጠቂሶም ክአ እዚ ጥራሕ ግን እኹል ከም ዘይኮነ አመልኪቶም።

እቲ ምስ ተመሀርትን ተመሀሮን ካቶሊካውያን ተቅዋማት ዝተኻየደ ርክብ ምስ ተፈጸመ።

አብቲ ዩኒቨርሲቲ ምስ ናይ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት መራሕቲ ከም ዝተራኸቡን ሃይማኖት ናይ ሰላምን ፍትሕን ርትዕን መሳርሒ ከም ዝኾነ ከም ዘመለከቱ ይፍለጥ።

ናይ ዝኾነ ይኹን ሃይማኖት ነጻነት ክሕሎን ወዲ ሰብ እምነቱ ክኸበረሉ ከም ዘለዎን ክአ ቅድስን አቶም አተሐሒዞም አረዲኦም።

ድሕሪ”ዚ አብ ዩኒቨርሲቲ ቅድስቲ ድንግልማርያም ዝተገበረ ርክብ ናብ ኑንጽያቱራ አፖስቶሊካ ማለት አብዓባይ ብሪጣንያ ናይ ቅድስቲ መንበር ወኪል ዝነበርሉ መካን ተመሊሶም ድሕሪ ምሳሕን ሐርጺር ዕረፍትን ፡ ድሕሪ ቀትሪ ብናይ ላንደን ሰዓት አቆጻጽራ ሰዓት ዓሰርተ ሐሙሽተን አርብዓን ናብ አዳራሽ ላምፐት ተጓዒዞም ምስ ናይ ካንተበሪ ሊቀ ጳጳሳ ምስ ሮዋን ዊልያምስ ተራኺቦም ብብሕቲ ከም ዝተዘራረቡ ተፈሊጡ አሎ።

ሮዋን ዊልያምስ አብ ዝሐለፈ ቀረባ ግዜ ክለተ ግዜ ቫቲካን ከም ዝበጽሑን ምስር ርእሰ ሊቃነ ጳፓሳት በነዲክቶስ ከም ዝተራኸቡን ዝዝከር ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ናይ ኣአንገሊካዊት ቤተ ክርስትያን ላዕላዋይ ሐላፊ ሮዋን ዊልያምስ ዝገበሩሎም ዉዉዕ አቀባብላ አመስጊኖም።

ቅድሚ ሳላሳ ዓመታት ነፍሰ ሔር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይን ናይ ካንተበሪ ሊቀፓጳሳ ዝነበሩ ሮበርት ሪኡንስን አብ ላንደን ተራኺቦም ከም ዝነበሩ ዝዝከር ኢዩ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዲክቶስ ቅዱስ ቶማስ ዘ ካንተበሪ ንሐድነት ክርስትያን ደሙ ከም ዘፍሰሰ ዘኪሮም ንሕደነት ክርስታይና ዝካየድ ዘተ ፍጹም አዳላዪ ድላይ መድኅን ዓለም ክርስቶስ ከም ዝኾነ አገንዚቦም።

ካልአይ ቫቲካን ጉባኤ ምስኩለን ሃይማኖታት ዘተ ክካየድ ዘሕለፎ ውሳኔ አብ ቦትኡ ከም ዘሎ ክአ አረጋጊኦጾም።

ቅድሚ አርብዓ ዓመታት ዝቆመ አንግሎ ካቶሊክ ኮሚስዮን አብ መንጎ ክልቲኤን አብያተ ክርስትያናት ምሕዝነትን ጽቡቅ ርክብ ክምስረት ክብ ዝበለ አስተዋጽኦ ከም ዝገበረ ክአ ዘኪሮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ምእንቲ ሐደነት ክርስትያን ዝካየድ ዘሎ ዘተ ዕንቅፋት ከም ዘጋጥሞ ጠቂሶም፡ ብጸሎትን ብኃይሊ መንፈስ ቅዱስን ሐድነት ክርስትያን ክዉን ክኸውን ዘለዎም ተስፋ ክአ አገንዚቦም።

አንገሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብ1533 ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርትስትያን ከም ዝተፈልየት ዝዝከር ኢዩ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ አብ ወጻኢ አዳራሽ ላምፐት ሰለስተ ዝተፈላዩ ውሑዳት ጉጅለታት ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ዝቃውሙ ከም ዝነበሩ ኣአብቲ ቦታ ዝርከቡ መራኸቢ ብዙኀን ቫቲካን አመልኪቶም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ምስ ናይ አንገሊካዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ካንተበሪ ኪቀ ጳጳስ ሮዋን ዊልያምስ ዘካየድዎ ርክብ ምስተፈጸመ ናብ ወስት ሚስተር ሆል ተጋዒዛኦም አብኡ ናይ ሃውስ ኦቭ ሎርድስን ናይ ኮሞንስ ሃውስን ባይቶ ወኪላት ህዝቢን አቀበልቲ ቃል ተቀቢሎሞም ።

አብዚ ምስ ናይ ሲቪል አካዳሚ ዲፕሎማሲ ከምኡ ካአ ናይ ሃይምኖት መራሕቲ ተራኺቦም ።

ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ቀዳማይ ሚኒስተ ዝነበሩ ማርገረት ታቸር ጆን ሜጀር ጎርዶን ብራውን ቶኒ ብለየር ተረኺቦም ኔሮም።

ብድሕሪ’ዚ ርክብ’ዚ ወስት ሚኒስተር አበይ ተጓዒዞም ምስ ናይ ካነተበሪ ሊቀ ጳጳስ ሮዋን ዊልያምስ ሥርዓተ አምልኾ ፈጺሞም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ስኮትልናድ ያርድ አብ ልዕሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ምቅታል ዓመጽ መዲቦም ብማለት ዝጠርጠሮም ሽዱሽተ ዜጋታት አልጀርያ ከም ዝአሰረ አፍሊጡ አሎ ።ናይ ቅድስቲ መንበር ውሃቢ ቃል ኣአባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ በዚ ዜና”ዚ ዝተለወተ መደብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘይሎን አብ ፖሊስ ዓባይ ብሪጣንያ እምነት አለኦ ብማለት አብ ላንደን መግለጺ ሂቦም።

እዚ ናይ ትማሊ ውዕሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ዓባይ ብሪጣንያ ክኸውን ከሎ ፡ሎሚ ንግሆ ሰዓት ሸሞንተን ርብዕን በቲ ናይቲ ሀገር ሰዓት አቁጻጽራ ናብቲ ናይ ላንደን ካቶሊካዊ አዳራሽ ሊቀ ጵጵስና ከም ዝተጓዕዙን ናስይ ወስት ሚኒስተር ሊቀ ጳጳስ ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል መርፊ ኦኮነር ናይ እንግሊዝን ወይልስን ረኪበ ጳጳሳት ዋና ጽሀፊ ብፁዕ አቡነ ቪሰንት ጀራርድ ኒኮልስ ምስ ብዙሐት ካህናትን ጳጳሳትን ውሉደ ክህነትን ብሐባር ምዉቅ አቀባብላ ጊቢሮምሎም።

ሎሚ ንግሆ ሰዓት ትሽዓተ ባንይ ላንደን ሰዓት አቁጻጽራ ምስ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ቀዳማይ ሚኒስተር ደቪድ ዊያም ዶናልድ ካመሩን ተራኺቦም ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ክአ ምስ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኒክ ዊልያም ፒተር ክለጅ ተራኺቦም ።

በዚ ካብ ላንደን ዝመጸ ዜና መሠረት፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ደቪድ ካመሩንን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ፒተር ክለጅን ርክብ ቅድስቲ መንበርን ዓባይ ብሪጣንያን ፡ ወቅታዊ ኩነታት ኤውሮጳ ከምኡ ክአ ማእከላይ ምብብራቅን ትኩረት ዝገበረ ሕሳብ ንሐሳብ ተለዋዊጦም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ምስ ናይ ሰልፊ ለበር ግዝያዊት ሊቀመንበር ሃርየት ሃርማን ተራኺቦም ብተመሳሳሊ ከም ዝተዘራረቡ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ።

ብድሕሪ”ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሎሚ ንግሆ ሰዓት ዓሰርተ አብ ካተድራል ወስት ሚኒስተር ናይ ካንተበሪ ሊቀ ጳጳስ ሮዋን ዊልያምስ አብ ዝተረኽብሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ አዕሪጎም።ዕድመ ዝተገብረሎም ሰበስልጣናትን ውሉደ ክህነትን በሽሐት ዝቁጸሩ ምአመናን አብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ተሳቲፎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ካተድራል ወስት ሚኒስተር ስብከተ ቅዱስ ወንጌል አስሚዖም ፡ድሕሪ ቅዳሴ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ናብ መካነ ጵጵስና ተመሊሶም ድሕሪ ምስዳሕን ሐጺር ዕረፍትን ፡ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት አርባዕተን አርብዓን ናብቲ ሽማገለታትን ጽጉማጥን ዝነብርሉ ማእከል ቅዱስ ጰጥርሶ ተጓዒዞም ፡ ናይ ሳውዝ ዎርክ ሊቀ ጳጳስን ነቲ ማእከል ዝአልያ ደናግልን ተቀቢሎሞም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሽማግለታትን ጽጉማትን አጸናኒዖም ሐዋርያዊ ቡራኬ ከም ዝሀብዎም ተነጊሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ዓባይ ብሪጣንያ ጽዑቅ መደባት ከም ዘለዎም ክምልከት ከሎ ፡ ሰዓት ሽዱሽተ ላንደን አብ ሃይድ ፓርክ ዋዜማ ጸሎት ብፅዕና ብፁዕ ካርዲናል ጆን ሄንሪ ኒውማን ፈጺሚም ።ሕጂ መደብና አብ ዝተሐላለፈሉ ዘሎ ግዜ ናብ ቤተ ጵጵስና ላንደን ይምለሱ አለዉ በዚ ክአ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ሓዋርያውን ወግዓውን ዕደቶም ከም ዝዛዘም ተፈሊጡ አሎ ።

ጽባሕ ወርሒ መስከረም ዕለት ዓሰርተ ትሽዓተ ሰዓት ዓሰርተ አብ በርሚንግሃም ብፅዕና ብፁዕ ካርዲናል ጆን ሄንሪ ኒውማን ክፍጽሙ ኢዮም ።

እዚ ሥርዓተ ብጽዕና’ዚ ማእከል ሐዋርያዊ ዕLኡደቶም ዓባይ ብሪጣንያ ከም ዝኾነ ክዝከር ከሎ ፡ ጽብባሕ ምሸት ሰዓት ዓሰርተን ፈረቃን ንመንበር ሐዋርያ ቅዱስ ጰሮስ ክምለሱ ኢዮም።

እዚ አብ ዓባይ ብሪጣንያ ዘካየድዎ ሐዋርያውን ወግዓውን ዑደት መበል ዓሰርተ ሸውዓት ሃገራት ሐቆፍ ዑደት ከም ዝኾነ ይዝከር ።








All the contents on this site are copyrighted ©.