2010-09-18 15:20:24

ሃብቲ ማይ ናይ ኵሉ


ናይ ሕቡራት መንግሥታት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዝሓሊ ዋና መንበሩ ኣብ ጀነቭ ዝርከብ ማኅበር ኣብ ዘካየዶ መበል 15 ክፋል ጉባኤኡ ተረኺቦም ዘረባ ዘስምዑ ኣብዚ ማኅበር ናይ ቅድስቲ መንበር RealAudioMP3 ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ ሃብት ማይ ናይ ሓባር ሃብቲ እምንበር ንዕዳጋ ካብ ዝቐርቡ ጠቓሚ ምህርቲ ካብ ዝበሃሉ ሓደ ጥራሕ ኣይኮነን፣ ኵሉ ፍጥረት ሰብ ክረኽቦ ዝግብኦ ጉዳይ መሰልን ፍቓድ ዝምልከት ሃብቲ ኢዩ። እዚ ሃብቲ ድማ ናይ ኵሉ ኢዩ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ማይ ብፍላይ ድማ ዝስተ ጽሩይ ማይ ናይ ምርካብ መሰል ንዅሉ ዝምልከትን፣ ምስ ክንክን ጥዕናን ሕይወትን ዝተተሓሓዘ ከምዝኾነ ኣረዲኦም፣ እቲ ኣብ ዓለም ዝርኤ ኣብ ዋጋ እናተመንካ ንመኽሰብ ጥራሕ ተኣሚቱ ኣብ ዕዳጋ ናይ ምቕራብ ከይዲ ኤኮኖሚ ኢሰብኣዊ ተግባር ከምዝኾነ ገሊጾም። ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ዝሓሊ ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ሓደ ሰብ ኣብ ዕለታዊ ሕይወቱ ዘድልዮ ዝስተ ማይ ንምርካብ ክኸፍል ከምዘለዎ ዘገድድ ምዃኑ ዝገለጾ ሓሳብ እውን ጠቒሶም፣ እቲ ኣብ ዓለም ዝርኤ ድኽነት ክሳብ 2015 ዓ.ም. ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ ብፍርቂ ንምጉዳል ዘብቕዕ ተባሂሊ ብሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዝተሓንጸጸ መደብ ልምዓት ሚለኒዩም ክብጽሑ ዘለዎም ቢሉ ካብ ዘስፈሮም ሸቶታት ሓደ ኵሉ ዝስተ ጹሩይ ማይ ናይ ምርካብ መሰሉ ምርግጋጽ ዝብል ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ እቲ ኣብ ዓለምና ዝርኤ ዘሎ ኣመሓድራ ሃብቲ ማይ እንተድኣ ዘይተተኻኺሉ እቲ ሸቶ መደብ ልምዓት ሚለኒዩም ክዕተር ዘይሕሰብ ኢዩ ከምዘብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.