2010-09-16 17:10:58

ስብከት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ኣብ ቅዳሴ ግላስጎ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ነቲ ቤተ ክርስትያን ዓባይ ብሪጣንያና ብዓቢ ሃንቀውታ ትጽበዮ ዝነበረት ሓውጾተ ኖልዎ ንኽፍጽሙ ሎሚ ንጋሆ ካብ ሓዋርያዊ ኣደራሽ ካስተንጋንደልፎ ነቂሎም ናብ ኤደንበራ ብሰላም ከምዝኣተውን ምስ ንግሥቲ ዓባይ ብሪጣንያ እተጌ ኤልሳቤጥ ዳግማዊትን ሰበሥልጣን መንግሥትን ምስ ተራኸቡ ኣብ በልሃውስተን ፓርክ ዝበሃል ገፊሕ ቅርዓት ናይ ግላስጎ ሕጂ እዚ መደብና ኣብ ዝተሓላለፈሉ ግዜ መሥዋዕተ ቅዳሴ የዕርጉ ኣለው።

ኣጋጣሚ ናይ’ዚ ዕለት’ዙይ ቅዱስ፤ ኣቡንን ሰባኬ ወንጌልን ናይ ሰልቲክ ወገን ማለት ኣየርላንድን ዓባይ ብሪጣንያን ከምኡ’ውን ከም ፍሉይ ሓዋርያ ስኮትላንድ ዝፍለጥ፤ ካብ 360 ክሳብ 432 ዓ.ም ዝነበረ ቅዱስ ኒንያን ዘጋሎወይ እዩ።

ኣብዚ ቅዳሴ’ዚ ካብ ዝተፈላለያ ቊምስናታት ናይቲ ከባቢ ዝመጹ ምእመናንን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ዝተፈላለዩ መንፈሳውያን ምንቅስቃሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን፤ ከማኡ እውን ካብ ሰሜን ዓዲ እንግሊዝን ካብ ኣየርላድን ዝመጹ ነጋድያን ይርከቡ።

ኣብ ምጅማር ቅዳሴ ናይ ግላስገው ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ማርዮ ኮንቲ ናይ እንቋ ዕ ደሓን መጻእኩም ሓጺር ሰላምታ ኣቅሪቦም። ነዚ ቅዳሴ እዚ ዝተመርጹ ንባባት ቅዱስ መጽሓፍ ‘ንነፍሲ ወከፍና ብዝተዋህበና ጸጋ ዝተፈላለዩ ውህበታት ኣሎና’ ዝብል ካብ መል እኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮማ 12፡3~13፤ ከማኡውን ‘እቲ ምህርቲ ብዙሕ ኢዩ ዓየይቲ ግን ውሑዳት ኢዮም፤ ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኪልእኽ ለምንዎ’ ወንጌል ሉቃስ 10፡1~9 እንክኾን ቅዱስነቶም ናይዚ ዝተነበ ወንጌል መጨረሻ ኁሉቊ ብምውሳድ፤ “ዝኸበርኩም ብኽርቶስ ኣሕዋተይ ኣኃተይን፤ ‘መንግሥቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ አላ’፡ በዘን ክንበባ ዝሰማዕኩመን ቃላት ወንጌል ንኩሉኹም ብዓቢ ናይ ጐይታ ፍቅሪ ሰላም እብለኩም’ ክብሉ ሰላምታ ድሕሪ ምቅራብ ‘ብሓቂ መንግሥቲ ኣምላኽ ድሮ ኣብ ማእከልና ኣላ፤ ኣብዚ መሥዋዕተ ቅዳሴ እዚ ቤተ ክርስትያን ስኮትላንድ ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዙርያ መንበረ ታቦት ተኣኪባትሉ ኣብ ዘላ ሁመት ኣብ ቃል ክርስቶስ ዘሎና እምነትን ነቲ ብቃሉ ዝሃበና ዘይጥልም ተስፋን እንደገና ነሐድስ፤ ንል ዑል ካርዲናል ኦብራየንን ንጳጳሳት ስኮትላንድን ኣመስግን ብፍላይ ከኣ ነዞም ብስምኩም ልዙብ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ሰላምታ ንዘቅረቡለይ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኮንቲ ኣመስግን፤ እዚ ፍጻሜ እዚ ክውን ንምዃን ዓቢ ኣበርክቶ ንዝገበሩ መንግሥቲ ዓባይ ብሪጣንያን ስኮትላንድን ከማኡ እውን ማዘጋጃ ቤት ናይ ግላስገው ዓሚቊ ምስጋናይ እገልጸሎም፤ ብማለት ልባዊ ምስጋና ኣቅሪቦም።

ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ብምምርኳስ ክርስቶስ ሎሚ እውን እንተኾነ ካብ ገዛ ናብ ገዛ ካብ ሥድራ ናብ ሥድራ ካብ ከተማ ናብ ከተማ እናተጓዕዙ ምጽኣት መንግሥቲ ኣምላኽ ከበስሩን ናብ ዓለም ሰላም ከውርዱን ሓዋርያቱ ይል እኽ ኣሎ፤ ኣነ እውን መንፈሳውያን ውሉድ ቅዱስ እንድርያስ ኣብ ዝኾንኩም፤ ኣብ ማእክልኩም ዝመጻእኩሉ ምኽንያት ነዛ ሰላም እዚኣ ንምእዋጅን ኣብ እምነት ጴጥሮስ ንኸጽናዓኩምን ኢዩ፤ እንክብሉ ቀንዲ ተልእኾ ናይዚ ሓውጾተ ኖልዎ ገሊጾም።

ቅዱስነቶም ስብከቶም ብምትሕሓዝ ናብ ታሪኽ ምልስ ቢሎም ‘ቅድመይ ዝነበሩ ዘፍቅሮምን ዘኽብሮምን ር.ሊ.ጳ ዮሐንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ኣቢሉ ካብዚ ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቅ ኣብ ታሪኽ ስኮትላንድ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ብዝሒ ምእመናን ዝተሳተፉሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምድንፋቅ እዝክሮ’ ብማለት ነቲ ዝክረ ጥ ዑም ር.ሊ.ጳ ዮሐንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብ1982 ዓም ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘኪሮም። ካብቲ ታሪኻዊ ፍጻሜ ክሳብ ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስትያን ብዙሕ ነገራት ከምዝተመሓየሸ ብሕልፊ እቲ ር.ሊ.ጳ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ‘ምስ ክርስትያን ኣሕዋትኩም ኢድ ንኢድ ተታሒዝኩም ተጓዓዙ ዝበልዎ ምስ ኣባላት ካልኦት ኣብያተ ክርስትያናት ስኮትላንድ ዓቢይ ምትእምማንን ዕርክነትን ከምዝፈጠረ ብምግላጽ ቅዱስነቶም እውን ብወገኖም ኣብ ውርሻ ክርስትና ዝተመሥረተ ብሩህ መጻኢ ስኮትላንድ ንምሕናፅ ክጽልዩን ክሠርሑን ኣተባቢዖም።

ቅዱስነቶም ስብከቶም ብምቅጻል፤ ኣብ ቀዳማይ ንባብ ናይ ዕለቱ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮማ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ‘ንሕና ከኣ ብዙሓት ከሎና ኣብ ክርስቶስ ሓደ ሰብነት ኢና፤ ከምቲ ብጸጋ እግዚአብሔር ዝተቀበልናዮ በበይኑ ዝኾነ ውህበት ኣሎና’ ብምምርኳስ ‘ነንሕድሕሶም ብምክብባርን ብምፍቅቃርን ክነብሩ ሓደራ’ ድሕሪ ምባል ነቲ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ንካል ኦት ኣብያተ ክርስትያናት ወኪሎም ኣብቲ ቅዳሴ ንዝነበሩ በዚ መንፈስ ብምዕጃቦም ንዘኽበሩና ሰላም እብል እንክብሉ ምዉቅ ሰላምታ ኣቅሪቦም።

ኩነታት ቤተ ክርስትያን ዓባይ ብሪጣንያ ብምዝካር ከኣ ሎም ዘመን መበል 450 ዝኽሪ ናይቲ ዉሩይ ሪፎርመይሽን ፓርላመንት ዝበሃል ከምዝኾነ ከማኡ እውን ናይቲ ንሓድነት ክርስትያን ዓቢ እጃም ዘበርከተ ተልእኮኣዊ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ኤደንበራ መበል 100 ዓመት ምዃኑ ዘኪሮም፤ ንእግዚአብሔር ስለዚ ዓቢ ውህነት እዚ ክነመስግን ኣተሓሳሲቦም።

እንደገና ኣብ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮማ ብምምላስ ‘መማህራን እንተኾና ኣብ ምምህርና ንጽናዕ’ ዚብል ጠቂሶም ስብከተ ወንጌል ሓደ ካብቲ ብዙሕ ውህበታት ንሕንጸት ቤተ ክርስትያን ብምዃኑ ከምቲ ወትሩ ቀዳምነት ስብከተ ወንጌል እንጥምቶ ኣተኮሮና ኣብቲ ቃል ኣምላኽ ሡር ሰዲዱ ዝዓብየሉ ልምድን ባህልን ናይ ሕዝብታትና ኢዩ፤ ስለዝኾነ ኸኣ ኣብ ስኮትላንድ ነዚ ተልእኮ እዚ ግብራዊ ንምግባር ኣብ ማእከላይ ክፍለ ዘመን ብኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተመሥረታ ዓበይቲ ዪኑቨርሲታት እዝክር፤ ካብዚኦም ናይ ቅዱስ እንድርያስ ዪኒቨርሲቲ መበል 600 ዓመቱ ከብ ዕል ይሸባሸብ ኣሎ። ኣብዘን ዝሓለፋ 30 ዓመታት እውን ካቶሊካውያን ኣብያተ ትምህርቲ ምስ ሰበሥልጣን መንግሥቲ ብምስምማዕ ኣድማዒ ዝኾነ ሥርሓት የካይዱ ኣለው፤ እዚ ነቶም መን እሰያት ኣብ ሰብ ኣውን መንፈሳውያን ዕብየት ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ብስለትን ኣገልግሎትን ሕይወትን ዓቢ እጃም ኣበርኪቱ፤ ነዚ ምልክት ተስፋ ቤተ ክርስትያን እዚ ከበራትዕ እደሊ፤ ንሊቃውንትን ናይ ፖሎቲካ መራሕትን ኣብ ኲስኰሳ ተዋፊሮም ዘለው ካቶሊካውያንን ሓደራ ዝብሎ ‘ኣብ ዝኾነ ደረጃ ምስ ዘመናዊ ባህሊ ስኮትላንድ እናተጓ ዓዝኩም ንኣገልግሎት እምነት ወትሩ ጸዋዕታኹምን ተመኲሮኹምን ዘክሩ’ እንክብሉ ኣብ ዘመንዚ ብ ን ኣይ ይጠዓመኒ ተጐቢኡ ንዘሎ ባህሊ ንምሕዳስን ንምልዋጥን ብርቱዕ ስብከተ ወንጌል ከምዘድሊ ገሊጾም።

ኣብ መወዳ እታ ናይ ዕለቱ ቅዱስ ኒንያን ብምዝካር ትብ ዓቱን ተወፋይነቱን ክንክተሎ ዘሎና ምዃኑ ብምሕባር ንጳጳሳት ስኮትላንድ ብኩሉ ክብርትዑ ሓደራ ብምባል ነዚ ቅዳሴ እዚ ምስ ም እመናን እስኮትላንድ ብም ዕራጎም ዝተሰመዖም ሓጐስ ብምግላጽ ብቋንቋ ስኮትላንድ ሰላምን በረኸትን እግዚአብሔር ወትሩ ምሳኹም ይኹኑ፤ እግዚአብሔር ይሓሉኹም፤ እግዚአብሔር ንሕዝቢ ስኮትላንድ ይባርኽ፤ እንክብሉ ስብከቶም ዛዚሞም።
ድሕሪ ቅዳሴ ካብ ግላስገው ብምንቃል ብናይ ዓባይ ብሪጣንያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ከባቲ ሰዓት 9፡30 ሎም ምሸት ንሎንዶን ኪኣትው ትጽቢት ከምዝግበረሎም ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።







All the contents on this site are copyrighted ©.