2010-09-06 18:22:39

ዘተ ሰላም ማእከላይ ምብራቅ፡


እቲ አብ ሕቡራት ሀገራት አመሪካ ብፕረሲዳንት ባራክ ኦባማ አብ ዋሺንግቶን አብ መንጎ ናይ እስራኤል ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ኔታንያሁን ናይ ርእሰ ምምሕዳር ፍሊስጢኤም መራሒ ፕረሲዳንት ማሕሙድ ዓባስን ዝተኻየደ መስርሕ ሰላም ማእከላይ ምብራቅ ብፍላይ እስራኤልን ፍሊስጢኤማውያንን ዘተኮረ ዘተ ሰላም አቃልቦ መራኸቢ ብዙኀን ዓለም ከም ዝስሐበ ተነጊሩ ።

ቀዳማይ ሚስተር እስራኤል በንያሚን ኔታንያሁ አብ መንጎ እስራኤልን ፍሊስጤማውያንን ነባሪ ሰላም ዝርከብን ናይዚ ክሊ’ዚ ህዝብታት ብሰላም ዝንበሩን ክልቲኡ ወገን ሕድገት እንተጌሮም ከም ዝኾነ ጠቂሶም ፡ ንሶም ከም ቀዳማይ ሚስተር እስራኤልን ህዝቢ እስራኤልን ሕደገት ክገብሩ ስንዱዋት ከም ዝኾነ ዝሀብዎ መግለጺ ብብዙሐት መራኸቢ ብዙኀን ከም ዝተወደሰ ይምልከት ።

ናይ ርእሰ ምምሕዳር ፍሊስጤም መራሂ ፕረሲዳንት ማሕሙድ ዓባስ ብወገኖም እስራኤል አብ ግዝአት ዓረብ እተካይዶ ምስፋር ህዝቢ ዕብራውያን ከትገትእ አብ ልዕሊ ጋዛ ሽርጥ ዝውሰነቶ ማዕቀብ ከተልዕል ከም ዘተሐሳሰቡን አብ ሞዕራባዊ ፈለግ ዮርዳኖስ ብእስራኤል ዝካየድ ሰፈራ እብራውያን ንሰላም ጠንቂ ከም ዝኾነን ከም ዝገለጹ ክዝከር ከሎ ፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ወቃታዊ ሽግር ፍሊስጤማውያን ከም ዝኾነ እቶም መራኸቢ ብዙኀን አገንዚቦም ።

ድሕሪ ዕስራ አዋርሕ አብ ዋሺንግቶን ቀዳማይ ሚኒስተር ኔታንያሁን ፕረሲዳንት ዓባስን ናይ ሰላም ዘተ እናካየዱ ከለው አብ ሮማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንናይ መንግስቲ እስራኤል ርእሰ ብሔር ሺሞን ፐረስ አብ ሓዋርያዊ አዳራሽ ካስተል ጋንደልፎ ተቀቢሎም ከም ዘዘራረብዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጽሐፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺስዮ በርቶነን አብ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት አውራ ተጸዋዒ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ዶመኒክ ማምበርቲን አብቲ ርክብ ተረኺቦም ከም ዝነበሩ ይዝከር ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስን ርእሰብሔር ፐረስን እቲ አብ ዋሺንግቶን ዝካየድ ዝነበረ ናይ ሰላም ዘተ ክዕወት ጭቡጥ ፍረ ከመዝግብ ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዝዝከር ኢዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ካብ ፍርቂ ሕደ ዘመን ንላዕሊ ዝገበረ ታሪካዊ ግጭት እስራኤል ፍሊስጤም ነባሪ ሰላማውን ፍትሐውን ፍታሕ እንተረኺቡ አብ ማእክለያ ምብራቅ ጥራሕ ዘይኮነ አብ ዓለምና ተዛማዲ ሰላም ክመጽእ ተስፋ ከም ዝግበረሉ ክአ ተገሊጹ ።

ሰበስልጣናት መንግስቲ ዋሺንግቶን ፕረሲዳንት ባራክ ኦባማ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሂላሪ ሮድሀም ክሊንተን ከምኡ ክአ አብ ማእከላይ ምብራቅ ናይ ሕቡራት መንግስት አመሪካ ፍሉይ መልእከኛ ጆርጅ ሚሸል ርክብ ኔታናያሁ ዓባስ አዎንታዊ ከም ዝነበረን ንሰላም ቆሪጾም ከም ዝተላዕሉን ከም ዘመልከቱ ካብ ዋሺንግቶን ዝመጸ ዜና አፍሊጡ አሎ ።

በቲ ሐደ ወገን ክአ ከምዚ ትማሊ አብ ዋሺንግቶን ዝተኻየደ ዘተ ሰላም እስራኤል ፍሊስጤም ብዙሕ ግዝያት ተኻይዱ ፍረ አልቦ ስለዝተረፈ እዚ ክአ ከምኡ ኢዩ ብማለት ምዕዋቱ ዝጠራጠሩ አይጠፍኡን።

እቲ ሐማስ ዝብሃል ንጋዛ ዝቆጻጸር ጉጅለ ነቲ ሰላም ዘተ ከም ዝቃወም ከም ዘፍለጠ ካብ ኢየሩሳሌም ዝመጸ ዜና አገንዚቡ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኔታንያሁን ዓባስን ዓሰርተ አርባዕተ መስከረም አብ ናይ ምስሪ ርእሰ ከተማ ካይሮ እንደገና ክራኸቡ ከም ዝተሰማምዑ ተነጊሩ ።

መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ አብ ውሽጢ ሐደ ዓመት እስራኤልን ፍሊስጤምን ሙሉእ ናይ ሰላም ስምምዕ ክገብሩ ዓቢ ተስፋ ከም ዘለዎም ፕረሲዳንት ባራክ ኦባማ ወግዓዊ መግለጺ ሂቦም አለዉ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ውሃቢ ቃል አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ አብቲ ኦክታቫ ዲስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማእከል ተለቪዝዮን ቫቲካን ሰሙናዊ ርእሰ ዓንቀጽ ዝጽዋዕ አብ ሰሙን ሐደ ግዜ ዝውጽእ ርእሰ ዓንቀጽ ከም ዘመልክትዎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲቶስ አብ ቅድስት ሀገር ኢየሩሳሌምን ማእከላይ ምብራቅን ሰላም ክሰፍን ዓቢ ሃረርታ ከም ዘለዎም ሐበሬታ ሂቦም ።

ብዙሐት ብቃላትን ብህውከትን ነቲ ዘተ ሰላም ከተዓናቅፉ ከም ዝደልዩ ይርኤን ይስማዕን እኳ እንተሎ እንኮ መፍትሒ ማእከላይ ምብራቅ ግን ሰላማዊ ዘተ ከም ዝኾነ አገንዚቡ ።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሽግር ማእከላይ ምብራቅ ሰላማውን ፍትሐውን ፍጻሜ ዝርከብ ብሰላማዊ ዘተ ጥራሕ ከም ዝኾነ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚራ ከም ዘመልከተት አመልኪቱ።

ዝሐለፈ ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅድስቲ ሀገር አብ ዝበጽሕሉ ግዜ ነዚ ከም ዘመለከቱ ክአ አዘኻኺሩ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳት በነዲክቶስ ሞራላውን ሃይማኖታውን በዓል ስልጣን ከም ዝኾኑ ጠቂሱ ክአ ሰላም ክርከብ ዓቢ አስተውጽኦ ከም ዝገብሩ አዘኻኺሩ ።

አብ ማእከላይ ምብራቅ ምእንቲ ሰልም ክሰፍን ነፍሲ ወከፍ ሰብ አሚኑ ንዕኡ ምእንትኡ ክሰርሕ ከም ዝግባእ ክአ አተሐሳሲቡ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.