2010-08-26 16:17:24

ጉባኤ ሪሚኒ፡


እቲ ዝሐለፈ ሰኑይ አብ ሰሜናዊ ኢጣልያ አብ ከተማ ሪሚኒ ዝተጀመረ ናይ ሕብረትን ሐድነትን ማሕበር ዓመታዊ መበል ሳላሳን ሐደን ጉባኤ ይቅጽል ከም ዘሎ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና አረዲኡ ።

አብዚ ናይ ሃይማኖት አበው ናይ ሳይንስ በሰላትን ናይ ፖሊቲካ ሰባትን ዘሳተፈ ጉባኤ ሪሚኒ ሰለስተ ሚእቲ ልኡካን ዝሐቆፈ ከም ዝኾነ ይምልከት ።

ማሕበር ሕብረትን ሐድነትን መንፈሳዊ ተቅዋም ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኮይኑ አብ መንጎ አህዛብ ዓለም ምሕዝነት ምርድዳእ ሰላም ክፍጠር ዝጽዕርን መአዲ ዘተ አዳልዩ ዝተፈላለዩ ሕብርተ ሰባት ዘዋስእ ማሕበር ከም ዝኾነ ተነጊሩ።

ናይ ቤሎሩስያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ሜትሮፖሊታን ፊላርተ ንመጀመርያ ግዜ አብ ጉብኤ ሪሚኒ ይሳተፉ ከም ዘለዉ ክምልከት ከሎ፡ ክብሪ ክርስትና አብ ኤውሮጳን ዕቃቤኡን ብዝምልከት ነቲ ጉባኤ ዲስኩር ከም ዝገበሩ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ።

አብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ኦርቶዶክቤተ ክርስትያንን ዝርኤ ዘሎ ናይ ምቅርራብን ብሓባር ምስራሕን ድሌት ከም ዝንአዱ ክአ ተገሊጹ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ መራሕ መንግስቲ አመሪካ ናይ ፕረሲዳንት ባራክ ኦባማ አማኻሪ ሃይማኖታዊ ጉዳይ አውራ አማኻሪ ቄስ ጆስዋ ዱቦይስ አብዚ አብ ሪሚኒ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ይስተፉ ከም ዘለዉ ክምልከት ከሎ ፡ ድኽነትን ምግላል ሰባትን ምእንቲ ክውገድ ክንክን ቤት ሰብን አብ ትምህርቲ ምትኳርን ከም ዘድሊ ነቲ ጉባኤ ከም ዝግለጽሉ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ አሎ

ጉባኤ ሪሚኒ ሃይማኖትን ሳይይንስን ፡ ዓለም ሐቆፍ ኤኮኖሚን ስእነት ስራሕ ዘኸትሎ ሰብአዊ ቅልውላው ፡ ስደት ህዝብን ውህደትን ዝርከብዎም አብ ዓበይቲ ርእሰ ጉዳያት አተኲሩ ይዝቲ ከም ዘሎ ተፈሊጡ አሎ ።.

ጉባኤ ሪሚኒ ትማሊ ረፍዲ ብናይ ቤተ ክርስትያን ሊቃውንቲ ዝቀረበ መለኮታውነት ኢየሱስ ክርስቶስን ፡ አብ ረፓብሊክ አይርላንድ ናይ ርእሰ ከተማ ዳብሊን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ማርቲን ብዛዕባቶም ዝሐለፈ ክፍለ ዘመን ዝነብሩ ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ጆን ሄንሪ ኔው ማን ታሪኽ ሕይወት ከም ዝተኸታተለ ይምልከት።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መስከረም አብ ዓባይ ብሪጣንያ ሐውርያውን ወግዓውን ምብጻሕ አብ ዘካይድሉ ግዜ ንብፁዕ ካሪናል ጆን ሄንሪ ኒው ማን ናይ ብፅዕና ሥርዓተ ክፍጸሙሎም መደብ ከም ዘሎ ዝዝከር ኢዩ።

ዜጋ እንግሊዝ ብፁዕ ካርዲናል ጆን ሄንሪ ኒውማን ብዓሰርተ ትሽዓተ ክፍለ ዘመን ዝነብሩ ዝነበሩ በሰል ንባበ መለኮትን ታሪኽን ፍልሳፋን ዝነበሩ ብ1845 እምነቶም ካብ አንገሊካዊ ናብ ካቶሊካዊ ዝለወጡ ከም ዝኾኑ ይዝከር።

ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ናይ መንግስቲ ኢጣልያ ናይ ፋናንስ ሚኒስር ትረሞንቲ ህሉው ኩነታት ኤኮኖሚ ኢጣልያን ዓለምን ብዚምልከት መግለጺ ከም ዝሀቡ ተፈሊጡ አሎ።

ናይ ኢጣልያ ውሃብቲ ስራሕ መራሕትን ናይ ሰራሕተኛታት ማሕበራት ወኪላትን አብዚ አብ ሪሚኒ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ይሳተፉ ከም ዘለዉ ይዝከር ።








All the contents on this site are copyrighted ©.