2010-08-26 16:14:53

ረዲኤት ርእሰ ሊቃነ ጳጳጳሳት ንፓኪስታን ፡


ናይቲ Cor Unum ዝተወሃሃደ ልቢ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀመንበር ብፁዕ ካርዲናል ፓውል ጆሰፍ ኮርደስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ነቲ ብምጥልቅላቅ ማይን ውሕጅን አብ ሽግር ዝወደቀ ህዝቢ ፓኪስታን ዝለገስዎ ገንዘብ ብካሪታስ ኢጣልያ አቢሉ ከም ዝተዋህበ አገንዚቦም።

ብፁዕ ካርዲናል ፓውል ጆሰፍ ኮርደስ ናይ ዝተወሃሃደ ልቢ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ከም ዘመልከትዎ ፡ ንዋታዊ ረዲኤት ነቲ ዝተሸገረ ህዝቢ ግዝያዊ ጸገማቱ ከቃልለሉ ይኽእል እግዚአብሔር ንህዝቢ ካም መቅሰፍቲ ከድሕን ውሽታዊ ሰላም ክረክብ ብጸሎትን ምሕረት እግዚአብሔር ምልማን እቲ ዝዓበየ ኢዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብዙሐት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ረዲኤት ተቅዋማት አብ ፓኪስታን ህጹጽ ናይ መግብን ፈውስን ረዲኤት ይግባ ከም ዘለዋ ይምልከት ።

ዝተፈላለያ ካቶሊካውያን ግብረ ሰናይ ማሕበራት አብ ልዕሊ’ቲ ዝህብኦ ረዲኤት ካብ ምእመናን ረዲኤት ይሐታ ከም ዘለዋ ክአ ተገሊጹ ።

ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ብዓለም ለኸ ደረጃ ንፓኪስታን ዝውሃብ ገንዘብ ውሒዱ ብማለት ይማረር ከም ዘሎ ተፈሊጡ አሎ ።

ተዓዝብቲ ከም ዘመልክትዎ ፡ ብርኩት ረዲኤት ዘይውሃብ ዘሎ ናይ ፓኪስታን አኽረርቲ ምስልምና ጣሊባን መጥቃዕት ስለ ዝጀመሩን እቲ ዝውሃብ ረዲኤት ንህዝቢ ምብጽሑ ስለዝተሰግኤ ክኸውን ይኽእል።

እዚ ኾይኑ ግን ናይ ሕቡራት መን ግስታትን ናይ ናቶ ናይ ሰሜን አትላንቲክ ቃል ኪዳን ማሕበር ሆሊኮፕተራትን ረዲኤት አብ ምዕዳል ተዋፊሮም ከም ዘለዉ ተገሊጹ ።

እቲ አብ ፓኪስታን ዝተኸሰተ መቅሰፍቲ ውሕጅ አብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ማእለያ ዘይብሉ ጉድአት ከም ዘስዓበ ይፍለጥ ።

ነቲ ብውሕጅ ዝተሃስየ ክልታት ፓኪስታን መሊስካ ንምሕናጽ ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ከም ዘድሊ ናይታ ሀገር መራሒ ፕረሲዳንት አጢፍ ሳርዳሪ ከም ዘመልከቱ ካብ ኢስላማባድ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.