2010-08-24 16:49:59

ቀዳማይ ጦማር ቅዱስ ኣቦና ንሕትመት በቂዑ


ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ሊቅ ንባበ መለኮት ዝደረስዎ ኩሉ ብሓንሳብ ተኣኻኺቡ ኣብ 16 ጦማራት ተጠቅሊሉ ንሕትመት ይሰናዶ ኣሎ። ካብዚ በብጦማር ወይ መዝገብ ዚሕተም መጻሕፍቲ እቲ ፈላሚ ብዛዕባ ሥርዓተ ኣምልኾ ወይ ሊጡርጊያ ዚምልከት ኮይኑ ድሮ ተሓቲሙ ንንባብ በቂዑ። ነዚ ናይ ሕትመት ሥራሓት ዘከናውኖ ዘሎ ቤት ማኅተም መዝገበ መጻሕፍት ቫቲካን ከምዝኾነ ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ገሊጹ።

እዚ ቀዳማይ መጽሓፍ እዚ ትማሊ ኣብ ሪሚኒ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ንዝሳተፉ ብዕሊ ቀሪቡ። እዚ ጦማር እዚ ቅዱስነቶም ንሥርዓተ ኣምልኾ ብዝህብዎ ትርጉም ይጅምር። ቅዱስ ኣቦና ትርጉም ሊጡርጊያ ወይ ሥርዓተ ኣምልኾ ብኸምዚ ይገልጽዎ፤ “እቲ ዝለዓለ ናይ ክብሪ እግዚአብሔር ጽባቄ መግለጺ ኮይኑ፤ ብገሊኡ መዳይ ኣብዚ ምድሪ ኰንካ ሰማያዊ ነገራት ምምዕዳው ኢዩ” ይብሉ። ሥርዓተ ኣምልኾ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ቅዱስነቶም ዝለዓለ ቦታ ከምዘለዎ እንከመልክቱ ኣብ መቅድም ናይ’ቲ መጽሓፍ “ካብ ሕጻንነተይ ጀሚረ ዓንዲ ማእከል ጉዕዞ ሕይወተይ ተግባር ሥር ዓተ ኣምልኾ ኢዩ ነይሩ” እንክብሉ ይገልጹ። ነዚ ብዝበለጸ ኣብ ናይ ሶሙናዊ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ደራሲ ናይ ‘ቩልጋታ’ ዝኾኑ ቅዱስ ጅሮም ወይ ጅሮላሞ ኣብ ዘቅረብዎ ኣስተምህሮ ብዕለት 7 ሕዳር 2007 ነዚ ዚስዕብ ቢሎም ነሮም፤ “ቃል ኣምላኽ ንምምንባብን ንምስማዕን ምቹእ ቦታ ጊዜ ሥርዓተ ኣምልኾ ኢዩ፤ ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ ንቃል ኣምላኽ እናስተንተንና ነዚ ቃል እዚ ከኣ ብሕይወትና ኣብ ግብሪ እናውዓልና በዚ ቃል ኣምላኽ እዚ ንጐይታ ብምሥጢረ ሥጋሁ ወደሙ ኣብ ማእከልና ህልው ንገብሮ። ቃል ኣምላኽ ክንዮ ግዜን ቦታን ሰጊሩ ንዘለዓለም ህልው ከምዝኾነ ክንዝንግዕ የልብናን። ርእይቶ ደቂ ሰባት ይመጹን ይኸዱን፤ ሎሚ ዝበለጸ ሓዲስ ኮይኑ ዝረኣየና ጽባሕ እቲ ዝኣረገ ክኸውን ይኽእል፤ ቃል ኣምላኽ ግን ወትሩ ናይ ዘለዓለማዊ ሕይወት ቃል ኢዩ፤ ኣብ ውሽጡ ዘለዓለማውነት ብምምጻእ ንኩሉ ግዜ ሕያው ኢዩ፡ ቃል እግዚአብሔር ኣብ ልብና ብምሽካም ከስ ኣብ ውሽጥና ነቲ ዘለዓለማዊ ንሕዞ፤ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ድሮ ዓቲርና ማለት ኢዩ” ቢሎም ምሂሮም ነሮም።

ነዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ጽሑፋት ብቋንቋ ጀርመን ኣብ ምቅራብ ዝሠርሑ ዘለው ናይ ረገንስበርግ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ገርሃርድ ሚዩለር ሥርዓተ ኣምልኾ ኣብ ሕይወትን ትምህርትን ቅዱስ ኣቦና እንታይ ይመስል ክብል ልኡኽ ራድዮ ቫቲካን ሉካ ኮሎዲ ምስ ሓተቶም ነዚ ዚስዕብ መልሲ ሂቦም።

‘እምነት ክርስትና ሥነ ሓሳባዊ ወይ ከኣ ፍልስፍና ወይ ውን ርእዮተ ዓለም ኣይኮነንን፤ እንታይ ደኣ ምስቲ ኣምላኽ ክነሱ ምእንታና ሰብ ዝኾነ ክርስቶስ እትገብሮ ሕያው ርክብ እዚ ክርስቶስ እዚ ከኣ ምስ ኣቦን መንፈስ ቅዱስን ዘሎ ኣምላኽ ኢዩ፡ ሥርዓተ ኣምልኾ ምሥጢራዊ ተሳትሮ ኣብ ሕይወት ኣምላኽ የመልክት። በዚ ሥርዓተ ኣምልኾ ተዋስኦ ኮይኑ ኣፍኣዊ ንረኣዩለይ ስምዑለይ ዝቀርብ ባዕለ ስምዒታዊ እንቅስቃሴ ወይ ግላዊ ሓሳብ ዘይኮነ ካቶሊካዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ናይ ኅብረት ተግባር ኮይኑ ሓቀኛ ምስቲ ፍጡራቱ ምስ ዝኾና ምሳና ክነብር ዝደለየ እግዚአብሔር እነካይዶ ጭቡጥ ርክብ ኢዩ።’ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ሥርዓተ ኣምልኾ ንዝምህርዎ ኣሕጽር ኣቢሎም ገሊጾም።

ትማሊ ኣብ ሪሚኒ እዚ መጽሓፍ እዚ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ኣብ ዝቀረበሉ ጊዜ ናይ ቫቲካን መዝገበ መጻፍት ናይ ኅትመት ክፍሊ ሓላፍን ናይ ቋንቋ ጣልያን ትርጉም ናይ’ዚ መጽሓፍ ሓላፍን ዝኾኑ ጥቀ ክቡር ኣብ ኣባ ጁሰፐ ኮስታ እውን ተረኺቦም ነይሮም፤ ብዛዕባ እዚ መጽሓፍ እዝን እቲ ንሕትመት ዝቀራረብ ዘሎ ካልኣይ ጦማር ኢየሱስ በዓል ናዝሬት ትብል መጽሓፍን ኣመልኪቶም ነዚ መብርህ’ዚ ሂቦም፤ “እዚ ሎሚ እነቅርቦ ዘሎና ቀዳማይ ጦማር ክፋል ናይቲ ብተኸታታሊ ክነውጽኦ ሓሲብና ዘሎና 16 ጦማራት ኢዩ፤ እዚ 16 ጦማራት እዚ ከም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘቅረብዎ ትምህርታት ኣይኮነን እንታይ ደኣ ገና ካርዲናል እንከለው ዝጸሓፍዎ ኣብ ቃለ ምልልስ ዝሃብዎ መልስታት ኩሉ ብሓንሳብ ተኣኻኪቡ ኢዩ ቀሪቡ ዘሎ፤ እዚ ሓፈሻዊ ሥራሕ ቅዱስነቶም ዝገልጽ 16 ጦማራት እዚ ክሳብ ድሮ ሢመተ ርእሰ ሊቃነ ጵጵስና ኢዩ ዘጠቃልል። ድሕሪ ጳጵስናኦም ክፍሊ ኅትመት መዝገበ መጻሕፍቲ ቫቲካን ኣብ ሸሽድሽተ ወርሑ ሓደ መጽሓፍ ይሓትም፤ ክሳብ 2009 ዓም ዝመሃርዎ ትምህርቶም ጠርኒፍና ትምህርቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዘርእስቱ ተኸታታሊ ጦማራት ሓቲምናዮ።

እዚ ነቲ ብኻልኦት ዝግበር ሕትመታትን ትርጉማትን ኣብ ቊጽሪ ከየእቶኻ ኢዩ፤ ንኣብነት እታ ብዛዕባ ሕይወት ኢየሱስ እትገልጽ ጽሑፎም ተርጐምቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ለይትን መዓልትን ኢዮም ዝሠርሑላ ዘለው፤ ድሮ ምስ 18 ቤት ማኅተማት ተሰማሚዕና ናይታ ‘ኢየሱስ በዓል ናዝሬት’ ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ ምሥጢረ ፋሲካ ሕማማትን ትንሣኤን ክርስቶስ ዝትሕዝቶኣ ንሕትመት ቀሪባ ኣላ።

ነዛ ካልኣይ ጦማር ብዛዕባ ኢየሱስ ናዝራዌ እትዛረብ መጽሓፍ ብዙሓት ብሃንቀውታ ይጽበይዋ ስለዘለው መኣስ ኮን ንሕትመት በቂዓ ኣብ ኢድ ኣንባቢ ትበጽሕ ንዝብል ሕቶ እንክምልሱ፤ ‘ብዝመስለኒ ኣብ ዝመጽ እ ወርሒ መጋቢት ኣብ ቀዳማይ ሰንበት ጾመ ኣርብዓ ትዝርጋሕ ንብል ከባቢ ክፍላ ጥሪ ናቶም ሃገራዊ ማኅተም ንኸሰናድው ንዝተፈላለሉ ቤት ማሕተማት ክንዝርጋሓ ብተስፋ ንጽበ፤’ እንክብሉ ብሓፈሻ ቅዱስ ኣቦና ንቤተ ክርስትያን ንዘበርከትዎ ትምህርቲ ናብ ኩሉ ንምብጻሕ ክፍሊ ኅትመት መዝገበ መጻሕፍቲ ቫቲካን ዝገበሮን ዝገብሮ ዘሎን ጻዕሪ ኣመልኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.