2010-08-19 11:57:43

ኩሉ ነገር ብክርስቶስ ይተሓደስ


ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ኣብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ፤ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ፕዮስ 10ይ ብምዝካር፤ ከምቲ ቅዱስ ፕዮስ 10ይ ቅድሚ 100 ዓመት ዝበልዎ ሎሚ እውን ቀንዲ ውራይ ግብረ ተልእኮ ንኹሉ ነገራት ብክርስቶስ ምሕዳስ ከምዝኾነ ገሊጾም።

ቅዱስነቶም ትማል ካብቲ ናይ ዕረፍቲ ቦታኦም ሓዋርያዊ ኣደራሽ ካስተል ጋንደልፎ ኣብ ዝሃብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ቅዱስ ፕዮስ 10ይ ብሰፊሑ ድሕሪ ምስትምሃር ኣብ ፓኪስታን ብምዕልቅላቅ ማይ ንዝሳቀዩ ዘኪሮም ብመንፈስ ምስኦም ሓቢሮም ምእንታኦም ከምዝጽልዩ ብምሕባር ምትሕብባር ናይ ኩሉ ከይፍለዮም ምናዳ ኸኣ ማኅበረሰብ ዓለም ቀልጢፉ ክረድኦም ተላቢዮም።

ቅዱስ ፕዮስ 10ይ ኣብ መበል 23 ዓመት ዕድሚኦም ክህነት ካብ ዝቅበሉ ጀሚሮም ትጉህ ጓሳ ነፍሳት ከምዝነበሩ ካብቲ ቀንዲ ብዙሕ ዝጸዓሩሉ ምምሃር ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ መወዳእታ ንኩሉ ዝኸውን ብትምህርተ ክርስቶስ ፕዮስ 10ይ ዝፍለጥ ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሑ ብብዙሕ ቋንቋታት ተተርጒሙ ንነዊሕ እዋን ዘገልገለ መጽሓፍ ኣብቲ ግዜቲ ኣብ ስደት ኣብ ፈቀዶኡ ዝነበሩ ክርስትያን ይኹኑ፤ ኣብ ዓለም ምሉእ ዝርከቡ ካቶሊካውያን መወከሲ ከምዝኾኖም ዘኪሮም።

ብ1903 ዓም ኣብ መጀመርያ ዓመት ጵጵስናኦም ትራ ለ ሶሊቺቱዲነ ብዝብል ኣርእስቲ ዝሃብዎ ሓዋርያዊ መምርሒ ብቀዳምነት ክርስትያን ኩሉ ብሓቀኛ መንፈስ ክርስትና ክመላለስ ምሥጢራት ክሳተፍ ክጽሊ ምስ ቤተ ክርስትያን ክሓብር ቀንዲ ከኣ ምሥጢረ ቁርባን ከዘውትር ከምዘልዎ ብምሕባር ቈልዓ ኣእምሮ ክሰዂዕ ምስ ጀመረ ይቊረብ ብማለት እውን ናይ መጀመርያ ቊርባን ዕድመ ናብ 7 ዓመት ኣውረድዎ። እዚ ዘረድኦ ነገር ኣብ ጉስነት ነፍሳት ክሳብ ክንደይ ግዱስ ከምዝነበሩን ቀዳምነት ንኣኡ ሂቦም ሥራሕ መንበረ ጴጥሮስ ከምዝጀመሩን የመልክት።

ብድሕሪ’ዚ ቅዱስ ፕዮስ 10ይ ንኹሉ ነገር ብክርስቶስ ምሕዳስ ብዝብል መሪሕ ቃል፤ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ካብ ዝለዓለ ጽፍሒ ክሳብ ዝተሓተ ሓዲሶም፤ ብቀዳምነት ዘሓደስዎ ብኩርያ ሮማና ዚፍለጥ ናይ ቅድስት መንበር ናይ ምምሕዳር ተቅዋማት ኢዩ፤ ብድሕሪኡ ሕገ ቆኖና ብሓዲስ ክጽናዕን ክመሓየሽን ብኣኦም ተጀሚሩ ብተኸታሊኦም ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 15 ከኣ ተኣዊጁ፤ ንሥርዓተ ኣምልኮ ዝርኢ ተሓድሶ ከማኡ እውን ምንጪ ካህናት ዝኾነ ዘርኣ ክህነታት ብብቅዓት ኣብ ኩሉ ዞባታት ክኽፈት ተገሩ።

ዘመናዊነት ወይ ሞደርኒዝም ዝበሃል ናብ ክሕደት ገጹ ዝዝንበለ ኣተሓሳስባ ብትብዓት ተቋዊሞሞ፤ ንተገልጾ እምነትና ብግቡእ ንምርዳእ ቪነያ ኤልክታ ብትብል ሓዋርያዊት መልእኽቲ ጳጳሳዊ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ተቅዋም ፖንቲፊካል ቢብሊካል ኢንስቲቱዩት ከፊቶም።

መጨረሽታ ኣዋርሕ ናይ ሕይወቶም ብውግእን ወረ ውግእን ዝቈሰለ ነይሩ፤ ቀቅድሚ ሞቶም ብዕለት 2 ነሐሰ ናይ 1914 ዓም ናብ መላእ ካቶሊካውያን ዘመሓላለፍዎ ምሕጽንታ ብነንሕድሕዶም ዝቃተሉ ደቁ መዓንጣኡ ናይ ዝሓረረ ኣቦ ገዐር ኢዩ ዝነበረ፤ ኣይጸንሑን ከኣ ብዕለት 20 ነሐሰ ብሞተ ጻድቃን ንሰማይ ሓሊፎም።

ቅዱስነቶም ኣብ ትምህርቶም እዚ ነገራት እዚ ሎሚ ብግዲ ከምዘድልየና ብምምልካት ካብ ቅዱስ ፕዮስ ንመሃሮ ብዙሕ ነገራት ከምዘሎ ገሊጾም፤ ቀንዲ ግን ንኩሉ ነገራት ብክርስቶስ ንምሕዳስ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ምስ ክርስቶስ ዘሎና ርክብ ክሕደስ ክኲስኰስ ኣለዎ፤ ንደቂ ሰባት ክንጓስን ናብ እግዚአብሔር ክንስሕብን እንኽለሉ ንክርስቶስ ብምፍቃር ጥራይ ከምዝኾነ በዚ ከኣ ንዓለም ምሉእ ናብ ምሕረት ኣምላኽ ከምነብጽሖ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.