2010-08-12 16:23:00

ቅድስት ተረዛ በነደታ ዘመስቀል


ትማሊ ብቅድስት ተረዛ በነደታ ዘመስቀል እትፍለጥ ቅድስት አዲት ሽታይን በዓል ተዘኪሩ ውዒሉ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ብዛዕባ እዛ ቅድስቲ እዚኣ ኪዛረቡ ከለው፤ ‘ኣብ ድቅድቅ ጸልማት ናይ ለይቲ እተንጸባርቅ ብርሃን’ ይብልዋ። ኣብ ናይ ትማል ሰንበት ናይ መልኣከ እግዚአብሔር ኣስተምህሮ ከኣ እዛ ቅድስቲ እዚኣን ቅዱስ ማሲሚልያኖ ኮልበን ‘ተስፋ ብዘይምቊራጽን ነቲ ኣምላኽ ሕይወትን ፍቅርን ዝኾነ እግዚአብሔርን ካብ ዓይኖም ከይፈለዩ ዘመነ ጸልማት ካልኣይ ውግእ ዓለም ሰጊሮሞ፤’ ብማለት ቆራጽነቶምን ገድሎምን ብሕጽር ዝበለ ቃላት ገሊጾም።

ቅድስት አዲት ሽታይን ኣብ ብረስላቪያ ብ12 ጥቅምቲ 1891 ዓም ዝተወልደት ኮይና ናይ ጀርመን ሱር ካብ ዘለዎም ኣይሁዳውያን ሥድራ ቤት ተወሊዳ፡ ብሃይማኖት ወለዳ ክሳብ ጓል 14 ዓመት ተዀስኲሳ ብድሕሪኡ ግን ናብ ኣረመነት ተሚሊሳ፤ ኣብ ጎቲንጋ ፍልስፍና ብምጽናዕ ናይ’ቲ ፈኖመኖሎጂ ዚበሃል ክፍሊ ፍልስፍና መሥራቲ አድሞንድ ሁሰርል ተመሃሪት ኮይና፡ብትምህርታ ውርይቲ ኮይና እንከተብቅ ዕ ብ1921 ናብ ክትልኽና ኣትያ ብ1922 ጸጋ ጥምቀት ተቀቢላ ን8 ዓመት ከም መምህር ምስ ሰርሐት ሽሕ’ኳ ኣብ ሚዩንስተር ናይ ቨስትፋልያ መምህር ክትከውን ተዓዲማ እንተነበረት ብ1932 ብናይ ናዚ ዓለታዊ ሕጊ ካብ ምምህርና ተኸልከለት፤ ከመይ እስራአኤልዊት ስለዝነበረት፤ ብ1933 ጽሑፋት ቅድስት ተረዛ ድሕሪ ምንባብ ኣብ ኮሎን ዝርከብ ገዳም ደናግል ካርመሊታውያን ኣተወት፤ እናቴ ተረዛ በነደታ ዘመስቀል ብዝብል ስም እውን ናይ ድንግልና መብጽዓ ብምግባር ንኣምላኽ ተወፈየት፤ በቲ ናይቲ ግዜቲ ኢሰብ ኣዊ ተግባራት ናይ ናዚ ብ2 ነሐሰ ብ1942 ዓም ናብቲ ናይ ሕልቂት ማእከል ዝነበረ ኣውስኪዝ ቢርከናው ተወስደት ብ9 ነሐሰ ከኣ ምስ ሓውታ ኣብ 50 ዓመት ዕድሚኣ ብጋዝ ተቀትለት፤ ብ1987 ብጽዕት ተባሂላ፤ ብ11 ጥቅምቲ 1998 ከኣ ቅድስቲ ተባሂላ፤ ብ1999 ከኣ ምስ ቅድስት ብሪጂዳ ናይ ስዊደንን ቅድስት ካተሪና ናይ ስየናን ጠበቃ ኤውሮጳ ተሰይመት።

ቅዱስ ኣቦና ብወርሒ ግንቦት ዕለት 28 2006 ዓምፈ ናብዚ ናይ ሕልቂት ማእከል ዝነበረ ኣውስኪዝ ምስ በጽሑ ብዛዕባ ቅድስት አዲት ሽታይን ነዚ ዚስዕብ ቢሎም ነሮም፤ “ከም ክርስትያንን ዕብራዊትን ምስ ሕዝባን ምእንቲ ሕዝባን ክትመውት መረጸት፡ ኩሎም ናብ ኣውስኪዝ ንሞት ዝዳጐኑ ዝነበሩ ከም ጉድፍ ናይ ዓዲ ይረኣዩ ነሮም፤ ሎሚ ግን መሰኻኽር ናይ ሓቅን ሠናይን ከምዝነበሩ ምስ ምስጋና ንዝክሮም፤ ብግዝኣት ክፍኣት ስለዘይተሳዕሩ ነመስግኖም፤ ከመይ ሎሚ ኣብ ድቅድቅ ጸልማት ለይቲ ኣብ ቅድመና ከም መብራህቲ ኮይኖም የብርሁልና ኣለው፤”

አዲት ሽታይን ሓቂ ትደሊ ዝነበረት ሰብ ኢያ፤ ኣብ መስቀል ክርስቶስ ከኣ ረኺባታ፤ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ፤ መስቀልካ ምውሳድ ማለት ነቲ ናብ ኣምላኽ ገጽና ኣብ እንገብሮ ጉዕዞ ዝዕንቅፈና ሓጢኣት ንምቅላስን ምሽናፍን ምስንዳው የስምዕ፤ እዚ ኸኣ ዕለት ዕለት ፍቃድ እግዚአብሔር እናተቀበልካ ኣብ ቅድሚ ጸገማትን ግድላትን ሥቃይን ን እምነትካ ምድልዳል የስምዕ። አዲት ሽታይን ኣብ ሓደ ካብ መል እኽታ ብዛዕባ ክበድ ናይዚ መስቀል እዚ እንክትዛረብ ‘ብምልክት መስቀል መርዓት ኢየሱስ ምዃን እንታይ ምዃኑ ሎሚ ተረዲኤ፤ ሽሕኳ ብምሉኡ ክትርድኦ ፈጺምካ ዘይከኣል እንተኾነ ምስጢር ስለዝኾነ ማለት ኢዩ፤ መጠን ኩሉ ዝጸልመተሉ መጠኑ ልብና ናብቲ ካብ ሰማይ ዝመጽ እ ብርሃን ክንከፍት ኣሎና።’ ቢላ ነራ።








All the contents on this site are copyrighted ©.