2010-08-12 16:19:38

ሰማዕትነት ክርስትያን ናይ ፍጹም ፍቅሪ ኣምላኽ ምልክት ኢዩ


ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ትማሊ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ናይ ዕለቱ ቅድስቲ መሥራቲት ማኅበር ደናግል ክላሪሰን ቋሚት ብርሃንን ጠበቃ ኤውሮጳን ዝተሰምየት ቅድስት ክያራ ዘኣሲዚ ኣውኪኦም፤ ኣብዚ ሶሙን እዚ ኣብ ናይ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣርባዕተ ዝቀደሙን ዝደሓሩን ሰማዕታት ስለዝዝከሩ ብዛዕባ ሰማዕትነት ክርስትያን ኣስተምሂሮም።

ሽሕ’ኳ ሞት ዘይተርፍ እንተኾነ ንኹሉን ስለኹለን ንእግዚአብሔር ብምፍቃር ንርእስኻ ብምስዋዕ ዝግበር ዝለዓለ ምስክርነት ግን ሰማዕትነት ክርስትያን ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ሶሙን እዚ ዝተዘከሩ ቅዱሳን ሰማዕታት ሎረንዞ ዲያቆን አዲት ሽታይን ማሲሚልያኖ ኮልበን ካል ኦትን ንጐይታ ክሳብ መወዳእታ እስትንፋሶም ብምኽታል ከምዝመስከረዎ ሎሚ ኣብዚ ብንዓይ ይጥዓመኒ ዝተጐብኤ ዘመንና ብፍቅሪ እግዚአብሔር ንኩሉ ከንሸንፍ ንር እስናን ን ዓለም ምሉእ ከኣ ክንልውጥ ከምንኽ እል ገሊጾም።

ከምቲ ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ ‘እስመ በእንቲኣከ ይቀትሉነ ኩሎ ኣሚረ ወኮነ ከመ ኣባግ ዐ ዘይጠብሑ ንቃሕ እግዚኦ ለምንት ትነውም፤ ኦ ጎይታ ም እንታኻ ወትሩ ይቀትሉና ኣለው፤ ከም ኣብ ማሕረዲ ዝቀረባ ኣባጊዕ ኰና ኣሎና፤ ኦ ጐይታ ተበራበር ንምንታይ ትድቅስ’ እንክብል ናይ ሰማዕትነት ገድሊ ዝገለጾ፤ ቅዱስነቶም ከኣ ሰማዕትነት ክርስትያን ወትሩ ከምዘሎ ዓቢይ ምስክርነት እውን ከምዝኾነ ድሕሪ ምግላጽ መሠረቱ ኣበይ ኮን ይኸውን እንክብሉ ኣስተንትኖአም ይጅምሩ። እንትርፊ እቲ ዘስካሕክሕ ሞት ክርስቶስ ካል እ መሠረት የብሉን፤ ክርስቶስ ከምቲ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ 10 ም ዕራፍ ባዕሉ ገሊጽዎ ዘሎ ‘እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ ኢየ፤ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ሕይወቱ በጃ ኣባጊዑ ኣኅሊፉ ይህብ፤’ ቢሉ እንከብቅ ዕ ምኽንያት ናይዚ ሰማዕትነት እዚ እንክገልጽ ከኣ ‘ሕይወት ም እንቲ ክረኽባ ብምል ኣትውን ም እንቲ ክረኽባ’ ዝበሎ ናይ ኢየሱስ ናይ ፍጹም ፍቅሪ መሥዋዕቲ ነዚ ዝተገልጸ ሕይወት ብምልኣት ምእንቲ ክንረክብ ኣብ መስቀል ተፈጺሙ። እዚ ኣብነት ናይቲ ዘርኢ ሥርናይ ኢዩ፤ ዘርኢ ሥርናይ ተቀቢሩ እንተዘይሞይቱ ሕይወት ዘይረክብ ፍረ ከኣ ዘይፈሪ ክርስቶስ ከኣ ካብ እግዚአብሔር ዝመጸ መለኮታዊ ዘርኢ ሥርናይ ብምዃን ም እንታና ሞይቱ በዚ ሞት እዚ ኣቢሉ ከኣ ዝቊረስ እንጌራ ብምዃን ንኣና ተወፊዩ ንምሉእ ዓለም ዝኸውን ፍረ ከኣ ኣፍሪዩ። ሰማዕታት ከኣ አሠር መምህሮም ብምኽታል ብዘይ ምንም ተጽዕኖ በነጻነቶም ብዝል ዓለ ፍቅሪ እግዚአብሔር ተደፊኦም ንድኅነት ዓለም ደሞም ኣፍሲሶም። እንኪብሉ ምንጪ ሰማዕትነት ክርስትያን ናይ መድኃኒና ሞትን መሥዋዕትን ከምዝኾነ ድሕሪ ምግላጽ፤ ካል እ ዘደንቅ ጉዳይ ናይ ሰማዕትነት ከኣ ኣብ ቅድሚ ክትሕስቦውን ዘሰቅቅ ግፍ ዕታት ብጽን ዓትን ተኣማንነትን ክሳብ መወዳእታ እስትንፋሶም ሃዲኦም ክስው ኡ ከማና ደቂ ሰባት ክንሶም እቲ ኃይልን ጽን ዓትን ካበይ ይረኽብዎ እንክብሉ ኸኣ ምሥጢር ጽን ዓት ሰማዕታት ይግንጽሉ። ‘ከም ደቂ ሰብ ነዚ ዓቅሙ የብልና ብቅዓቱ፤ ምንጪ ናይዚ እቲ ኣብ መንጎ ሰማዕትን ኢየሱስን ዓሚቊን ጥቡቅን ውህደት ኢዩ፤ ምኽንያቱ ሰማዕትነትን ሰማዕት ንክትከውን ዝወሃብ ጸዋዕታን ብሰብ ኣዊ ጻዕሪ ዝርከብ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ብእግዚአብሔር ንዝግበር ተበግሶን ጸዋዕታን ዝወሃብ መልሲ ኢዩ፤ ውህበት ናይ ጸጋ ኣምላኽ ኢዩ፤ እዚ ፍሉይ ጸጋ እዚ ንፍቅሪ ክርስቶስ ንፍቅሪ ቤተ ክርስትይን ከማኡ እውን ንፍቅሪ ምሉእ ዓለም ሕይወትካ በጃ ንምሃብ ዘኽ እል ጸጋ ኢዩ።’ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ቆሮንቶስ ኣብ ዝጸሓፍ ካል ኣይቲ መል እኽቱ ምዕራፍ 12፤9 ኃይለይ ኣብ ድኹም ኢዩ ዚግለጽ እሞ ጸጋይ ይኣኽለካ’ ዝብሎ ኃይሊ እግዚአብሔር ብምል ኣት ኣብ ድኻምነትና ይግለጽ፤ ከማኡ እውን ኣብቲ ብኣኡ ዚእመንን ተስፋኡ ኣባኡ ጥራይ ናይ ዘንብርን ድኽነት ይግለጽ፤ እዚ እንኽኾን ግን ጸጋ እግዚአብሔር ንነጻነት ሰማዕታት ክርስትያን ከምዘይዓብጦ ምርዳእ የድሊ፤ እኳ ደኣ የሀብትሞን የልዕሎን፤ ብመንጽር ሥልጣን ዓለም ሰማዕት ነጻ ኢዩ፤ ኣካል ፍጽምና ነጻነት ኢዩ፤ ሰማዕት ነጻ ኣካል ኮይኑ ኣብ ሓደ ግዜ ብፍጹም ተግባር ኩለንታኡ ብምልኣት ንእግዚአብሔር የወፊ፤ በዚ ኸኣ ብፍጹም ናይ እምነትን ተስፋን ፍቅርን ሥራሕ ኣብ ኢድ ፈጣሪኡን መድኃኒኡን ይውፈ፤ ብምልኣት ምስቲ ኣብ መስቀል ዝተሠወኤ ክርስቶስ ምእንቲ ክወሃሃድ ሕይወቱ ይሥውዕ፤ ብሓጺሩ ሰማዕትነት ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሪ ኣምላኽ ዝወሃብ ሓደ ዓቢይ ተግባር ፍቅሪ ኢዩ’ እንክብሉ ምንጪ ሰማዕትነት ክርስትያንን ጸጋኡን ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.