2010-08-12 16:24:48

ሓጺር ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብሩጾ


ቅዱስ ኣቦና ትማሊ ጽሉቅ ቢሎም ናብቲ ቅድሚ ወርሒ ወግዓዊ ሓዋርያዊ ምብጻህ ገሮምሉ ኣብ ዝነበሩ ኣብ ዶብ ኣብሩጾን ላስዮን ዝርከብ መካነ ንግደት ናይ እኖና ድንግል ማርያም ማዶና ደይ ቢሶኞሲ ምስካየ ነዳያን ጸሎት ድሕሪ ምግባር ኣብ ካርሶሊ ዝተባህለ ቦታ ምስ ብጹዕ ካርዲናል ኣንጀሊኒ ኣብ ሓደ ገዳም ተመሲሖም፤ ናብ ሮካ ዲ መዞ ብምኻድ ምስ ብፁዕ ካርዲናል ሶዳኖ ተራኺቦም፤ ኣብ ኣጋ ምሸት ነቲ ዓሚ ብምንቅጥቃጥ መሬት ዝተጐድ አ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ለውችዮ ብምኻድ ም እንቲ እቶም ነበርትን ዓሚ ብምንቅጥቃጥ መሬት ዝተጐድ ኡን ጸልዮም። ንምሸቱ ብሰላም ኣብ መካነ ዕረፍቶም ሓዋርያዊ ኣደራሽ ካስተል ጋንደልፎ ከምተመልሱ ናይ ቅድስት መንበር ወሃብ ቃልን ሓላፊ ረድዮ ቫቲካንን ኣብ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.