2010-08-06 11:33:05

ኢየሱስ ወትሩ ኣብ ዓለም ከምዝህሉ ግበሩ


ነዙይ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ትማል ንልዕሊ 80 ሺሕ ዝኾነ ም እመናንን ነጋዳያንን ኣብ ቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣቋሪጾሞ ዝነበሩ ልሙድ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ንምጅማር ካብ ናይ ዕረፍቲ ቦታኦም ሓዋርያዊ ኣደራሽ ካስተል ጋንደልፎ ብሄሊኮፕቶር ኣብ ዝመጹሉ ጊዜ ኢዩ። ካብዞም 80 ሺሕ ዝኾኑ ነጋድያንን ም እመናንን ል ዕሊ 55 ሺሕ ካብ ኤውሮጳ ንመበል 10 ዓለም ለኸ ንግደት መዘምራንን ኣናጉንስጢስን ወይ ኣገልገልቲ መንበረ ታቦት ንምስታፍ ካብ ል ዕሊ 12 ሃገራት ኤውሮጳ ዝተኣከቡ ኢዮም፤ ካብዚኦም ዝበዝሑ ቋንቋ ጀርመን ዝዛረቡ ከምዝነበሩ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ሓቢሩ።

ብ ኣገባቡ ንናይ ዓለም ለኸ ዕለተ መን እሰያት ዝመሳሰል ናይ ትማሊ ኣጋጣሚ ንከተማ ሮማ ብዝተፈላለየ መለለዪ ዝገበሩ መን እሰያት ከምተዕለቅልቅ ገርዋ፤ ዝተፈላለየ ባንደራታት እናውለብለቡ ሓዳሲ ዜማን መዛሙርን እናዜሙ ንመንፈስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክብ ኣቢሎም።

ቅዱስነቶም ሓጎሶምን ዕግበቶምን ከምዚ ኪብሉ ገሊጾም፤ “ዝኸበርኩም ኣኅዋተይን ኣኃተይን ንሎሚ ንዝቀርብ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሶሙናዊ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ንክትሳተፉ ብዝለዓለ ብዝሒ ተኣኪብኩምሉ ኣብ ዘሎኹም ኣብ መንጎኹም እንክርከብ ዝስም ዓኒ ል ዑል ሓጎስ ክገልጸልኩም ደስ ይብለኒ፤ ዝኸበርኩም መን እሰያት እንቋ ዕ ደሓን መጻእኩም” ምስ በሉ ብጨብጨባን ዜማን ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እንደገና ኣንቀጥቂጡ።

ቅዱስነቶም ዓሚቊ ትርጉም ሕይወት መዘምራንን ኣናጒንስጢስን ካብ ጠባቃኦም ዝኾነ ቅዱስ ታርቹዝዮ ክግንዘቡ ብቋንቋ ጀርመን ከምዚ ክብሉ ገለጹ፤ “ንኣይ ለኣኽ፡ እዚ ቃል እዚ እቲ ተባ ዕ መን እሰይ ታርቺዝዮ ናብ ሕሙም ቅዱስ ቊርባን ዘብጽሓሉ ንዝደሊ ዝነበረ ካህን ዝበላ ናይ መጨረሻ ቃል ኢያ፤ መን እሰይ ቅዱስ ታርቺዝዮ ከምቲ ዝ ኣተዎ ቃል ነቲ ሒዝዎ ዝጐዓዝ ዝነበረ ቅዱስ ቊርባን ኣብ ኢድ ርኹሳትን መራኸስትን ንኸይወድቅ ሰማዕት ብምዃን ተኸላኺሉ፡ ብድሕሪኡ ንቅዱስ ታርቺዝዮ ናብ ሓደ ካህን ኣብጽሕዎ ድሮ ግን ንሰማይ ሓሊፉ ነበረ፤ ቅዱስ ባህሊ ነታ ኣብ ኢድ ቅዱስ ታርቺዝዮ ተጨቢጣ ዝነበረት ቅዱስ ቊርባን ኣይተረኽበትን ከመይ ምስ ሥጋ ቅዱስ ታርቺዝዮ ተዋሃሂዳ ይብል፡ በዚ ኸኣ እቲ ሥጋ ክፍሊ ሥጋ ክርስቶስ ብምዃን ምስ ኣካል ክርስቶስ ናብ እግዚአብሔር ቀሪቡ፡ ዝኸበርኩም ኣገልገልቲ ምስክርነት ቅዱስ ታርቺዝዮን እዚ ዝሰማዕናዮ ቅዱስ ባህልን ዝምህረና ነገር እንተ ሃልዩ ዓሚቊ ፍቅሪ ቅዱስ ቊርባንን ክነቅርበሉ ዘሎና ኣኽብሮትን ኢዩ፤ ዋጋኡ ክትግምግሞ ዘይከኣል ርስቲ እንጌራ ሕይወት ባዕሉ ኢይሱስ መግብና ዝኾነ ንዕለታዊ ጒዕዞ ሕይወትና ጸግ ዕን ኃይልን ብምዃን ንዘለዓለማዊ ሕይወት መንገድና ይኸፍተልና፤ እዚ ካብቲ ክርስቶስ ዝገደፈልና ህያባት እቲ ዝ ዓበየ ኢዩ። ስለዚኸስ ነቲ ኣብ ቅዱስ ቊርባን ዘሎ ክርስቶስ ብልግሲ ኣገልግሉ፤ ብፍልይ ዝበለ መንገዲ ኣብ ጥቃ ጐይታ ንኽትኮኑ ዝሕግዘኩም ኣገልግሎት ኢዩ፤ ን ኣገልግሎት ናብ መንበረ ታቦት ኣብ ትቀርቡሉ ግዜ ኣብቲ ዝ ዓበየ ግን ዖ ናይ ድሕነትን ፍቅርን ዝኾነ ተግባር እግዚአብሔር ንኽትቀርቡ ዕድል ትረኽቡ፤ እግዚአብሔር በዚ ተግባር እዚ ምሳና ንክኸውን ንኽሕግዘና ኃይሊ ንክህበና ንር እሱ ስለና የወፊ፤ ዝኸበርኩም ኣ ዕሩኽቲ ንስኻትኩም ን ኢየሱስ ኣ እዳውኩምን ሓሳባትኩምን ጊዜኹምን ትህቡ፤ ኢየሱስ ን ኣኹም ዝኽሕሰሉ መንገዲ ኣይስ እንን፤ ሓቀኛ ታሕጓስን ምሉእ ደስታን ክህበኩም ኢዩ፤ ምናልባት ን ኣና ከም ቅዱስ ታርቺዝዮ ሰማዕትነት ኣይሕተትን ይኸውን ኮይኑ ግን ኣብ ናኣሽቱ ነገራት እሙናት ክንከውን ከም ቅድሚ ኣገልግሎት እኹል ውሳጣውን መንፈሳውን ምቅርራብ ክንገብር፤ እምነትናን ቃልስናን ነዚ ሃብቲ እዚ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ክንሕዞ ኢየሱስ ይሓተና ኣሎ፤” እንክብሉ ተል እኾ መዘምራንን ኣናጒንስጢስን ብ ዕምቈት ድሕሪ ምምሃር ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ኣብ ዘቅረቡሉ ምስጋናን ሠናይ ትምኒትን ኣብ ሩስያን ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን ብባህርያዊ ሓደጋ ንዝተጐድ ኡ ናይ ምጽንና ዕ መል እክቲ ብምትሕልላፍ ኣቡነ ዘበሰማያት ብላቲን ምስ ም እመናንን ነጋድያንን ድሕሪ ምዝማር ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ናይ ዕለቱ ትምህርቲ ዛዘሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.