2010-07-31 13:51:23

ጸረ ውግእን ሓብሓቢ ግዳይ ውግኣትን ናይ ግበር ሰናይ ማኅበር


እቲ ሮንዲነ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ነቶም ናይ ዝተፈላለዩ ውግኣትን ኣጽራር ውግኣን ብፍላይ ድማ ናይ ከቢድ ኣጻርይ ግዳይ ዝኾኑ ሕጻናት ዝናቢዪ ግቡእ ክንክን ጥዕና ክረኽቡ ዝድግፍ ማኅበር ከካይዶ RealAudioMP3 ዝቐነየ መገሻ ምሕዝነት ምስ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ሓድነት ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለሚዮስ ቀዳማይ ብምርኻብ ክምዝፈጸመ ተገሊጹ።

እቲ ናይ ምሕዝንነት ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ኣባላት ኣብ ደቡባዊ ከባቢ ካውካሶ ናይ ምሕዝነት መገሻ ፈጺምም ኣብ ኢስታምቡል ምስ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለሚዮስ ቀዳማይ ከምእተራኸቡን ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዮስ ቀዳማይ፣ ነቶም ናይቲ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበር ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዘቕረብዎ ዘረባ፣ ልክዕ ከምቲ ሃይማኖታዊ ውግእ ካብ ዓለም ንምውጋድ ዝግበር ጻዕር ኣብዚ እዋን እውን ከቢድ ሽግር ኮይኑ ዘሎ ሃይማኖታዊ ኣኽራርነት ብማዕሪኡ ንምውጋድ ናይ ኵሉ ንቑሕ ተሳትፎ ዝሓትት ናይ ሰላም ሓልፍነት ኢዩ ከምዝበሉ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለሚዮስ ኣቲ ናይ ምሕዝነት ማኅበር ዝፍጽሞ ዘሎ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ንኢዶም፣ እቲ ማኅበር በቶም ዝሓቝፎም ናይ መናብረተ ጥበብ ተመሃሮ መሠረት ሰላማዊ ናይ ማኅበራዊ ናብራ ንምርግጋጽ ዝነብሮን ዘነቓቕሖን ዘሎ ናይ ሓባር ዘተን ናይ ምቅርራብ ባህልን ዝነኣድ ኢዩ ቢሎም፣ እቲ ናይ ጽባሕ ዓለም ካብቲ ዘለናዮ ናይ ሎሚ ዓለም ዝሓሸ መታን ክኸውን ኵሉ በቢ ሓላፊነቱን ተዋፋይነት ዝዓሰሎ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ክሰፍሕ ጸልዮም በዚ ኣጋጣሚ ድማ ቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2006 ዓ.ም. ኣብ ቱርኪ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘኪሮም። እቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘሕደሮ ሰናይ መንፈስ ሎሚ እውን ኅያው ኢዩ ከምዝበሉ ዘኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.