2010-07-30 10:47:04

ዓለምለኸ ዕለተ ሰላም


ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ንዝመጽእ ዓመት ኣብ ባሕቲ ጥሪ ንዝኽበር ዓለምለኸ ዕለተ ሰላም ዝኸውን ኣርእስቲ “ጐደና ናይ ሰላም ነጻነት ሃይማኖት” ንክኸውን ከምዝመረጹ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ። ቀንዲ ዘተኲረሉ ዓውዲ ድማ “እምነቶም ዝምስክሩ ሰባት ብሰንኪ ምስክርነቶም ዝወርዶም ዘሎ ተነጽሎን ኣደራዕን” ዚምለከት ከምዝኾነ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ መግለጺ ኣብሪሁ።

ሎሚ ኣብ ዓለምና ንነጻነት ሃይማኖት ዚጻረሩ ዝተፈላለዩ ቀይድታት ከምዘለው እዚኦም ከኣ መብዛሕትኡ ጊዜ ውኁዳን ምእመናን ኣብ ዝርከበሉ ወላ እውን ውኁዳን ኣብ ዘይኮኑሉ እውን ኣብ ማኅበረ ሰባውን ፖሎቲካውን ናብራ ክሳተፉ ንዝጽዕሩ ዘጓንፉ ጸገማት የጠቃልሉ።

እዚ ዓለምለኸ ዕለተ ሰላም ብበዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ጳውሎስ ሻድሻይ ብ1968 ዓም ጀሚሩ ዓመት ዓመት ኣብ ባሕቲ ጥሪ ይኽበር።

ነዚ ብዝምልከት ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ፍትሕን ሰላምን ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ማርዮ ቶሶ ነዚ ዚስዕብ መብርሂ ንረድዮ ቫቲካን ሂቦም፤ “ምስ ር.ሊ.ጳ ጳውሎስ 6ይ ነፍሲ ወከፍ ግለሰብን ብሙሉኡ ሕዝቢ ዓለምን ብምልኣት ዝምዕብሉሉ ሃዋህው ንምፍጣር፡ ሓዲስ ማኅበረሰብ ሓዲስ ዓለም፡ ፍትሒ ዝነገሦ መነባብሮ ንምህናጽ ንመራሕቲ ሃገራትን ንሰብ ጽቡቅ ድላይን ንምዕዳም እዚ ዕለት እዚ ተመዲቡ። እዚ ተልእኮ እዚ ንማለቱ ዘይኮነ ከም ግቡእ ተልእኮን ዕዮን ቤተ ክርስትያን ኮይኑ እዩ ተወሲኑ። ንር.ሊ.ጳ ጳውሎስ 6ይ እቲ ኣመለካክታ ናይ ፍቅሪ ምዕብልና ኢዩ ነይሩ። ምስ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 እቲ ኣመለኻኽታ ሓደ ኮይኑ ቀንዲ ኣተኲሮ ግን ናብ ሕውነት ኢዩ ዚዝንብል። ነጻነት ሃይማኖት ኣብ ዓለም ንቤተ ክርስትያን ስለምንታይ ክንድዚ ዘገድሳ እንተቢልና፤ ሠለስተ መሠረታውያን ምኽንያታት ክንርኢ ንኽእል፡ ብመሠረቱ ግን ነጻነት ሃይማኖት እንተዘየሎ ካልእ ነጻነት እውን የሎን ክንብል ንኽእል። ንኅብረተሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ነጻነት ሃይማኖት ምንጪ ናይ ኩሉ ካልእ ነጻነታት ኢዩ፤ ነጻነት ሃይማኖት እንተዘየለ ኩሉ ነጻነታትን መሰላትን ደቂ ሰባት ኣብ ሓደጋ ይወድቁ፡ ብኻልእ ወገን ነጻነት ሃይማኖት እንተዘይተሓልዩ በመሠረቱ መሰል ወዲ ሰብ መሰል ኩሎም ደቂ ሰባት ይንጸግ፤ ምኽንያቱ ከእ ነጻነት ሃይማኖት ምስ መሰል ወዲሰብ ብቀጥታ ዝተኣሳሰረ ስለዝኾነ ኢዩ። ሣልሳይ ምኽንያት ከኣ ብዘይ ነጻነት ሃይማኖት ሲቪላዊ ማኅበራት ይኹና ፖሎቲካዊ ማኅበራት ነቲ ዝእውጆኦ ምልኣት ወዲሰብ ስለ ዘየረጋግጻ ጐደሎ ይኾና።

ቀንዲ ናይ ዘመንና ጸገም ኮይኑ ዘሎ ግን በንጻሩ ነጻነት ሃይማኖት ተረጋጊጹለን ኣብ ዘሎዋ ሃገራት ሃይማኖት ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ናይ ግሊ ጉዳይ እናኾነ ምምጻኡ ኢዩ፤ እዚ ግን ንሃይማኖት ጸግዑ ከምዝሕዝ ምግባር ብምኽንያት ነጻነት ሃይምኖት ኣይኮነን፤ ንነጻነት ሃይማኖት ጥራይ ዘይኮነ ንሃይማኖት ባዕሉ ከጸገዖ ዝጽዕር ዘሎ ዕሉል ዓለማውነት (ሰኩላሪዝም) ሓደ ካብ ምኽንያትት ናይ ነጻ ሃገራት ኢዩ። እዚ ግን ናይ ወዲ ሰብ መንፈሳዊ ሕይወት ስለዝግህስ ናብ ናይ ፖሎቲካዊ ውልቀ ምልኪ የዘንብል። ስለዚ ንሰላም ዓለም ነጻነት ሃይማኖት መሠረታዊ ኢዩ፤ ነጻነት ሃይማኖት ሞራልዊ ሕይወት ግለሰባትን ማኅበረሰባትን ስለዝሠርዕ ንኩሉ ሠናይ ተግባራት በብደርጃ እናሠርዔ ናይ ግለሰባትን ማኅበረሰብን ምልኣት የቅውም። እዚ ምቅሉል ወይ ሰላማዊ ሥርዓት ኅብረተሰብ ይፈጥር። ነጻነት ሃይማኖት ኣመንቲ ብተወፋይነት ሲቪላዊ ግቡኦም ክፍጽሙ መሠረታዊ ኢዩ”፤ እንክብሉ ነጻነት ሃይማኖት ንኣመንቲ ንሲቪላዊ ኣገልግሎትን ንም ባሌ ኣህዛብን ንክሰርሑ ሞራላዊ ግዴታኦምን ግቡኦምን ንክፍጽሙ ስለዘጽንዕ መሠረታዊ ምዃኑ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.