2010-07-29 15:18:58

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፣ ፍጹምን ዘይበርስን ሃብቲ ክርስቶስ ጥራሕ ኢዩ


ትማሊ ብናይ ላቲን ሥርዓት ናይ ዕለቱ ንባበ ወንጌል፣ ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 14 ካብ ፍቕዲ 44 ክሳብ 46 ብዛዕባ እቲ ተቐቢሩ ዝተረኽበ ወርቅን ዕንቍን ዝዛረብ መልእኽቲ ከምዝነበረ RealAudioMP3 ክፍለጥ እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብቲ ንባብ ወንጌል ተመርኵይዞም ኣብ ዘቕረብዎ ሥልጣናዊ ስብከትን ኣስተምህሮን፣ መንግሥተ ሰማይ ኣብ ግራት ዝተኃብአ ሃብቲ ከምዝኾነትን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብልጫን ረብሓን ኣሞ ኣብ መኽሰብ ጥራሕ ዘተኮረ ከይዲ ኤኮኖሚ፣ ካብ ቅድም ዝነበረ እሞ ናይ ዝኾነ ይዅን ዘመን ሰብ ቀሲኑን ስዒብዎ ኢዩ፣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ባህርዪ ፍጥረት ሰብ ፍጹም ርድኢት ዘለዎ ብምዃኑ፣ ነቲ ኣብ ግኡዝ ብፍላይ ድማ ኣብ ገንዘብ ተስፋኡ ዘንብር ሰብ ንምምሃር፣ ንመለኮታዊ ምስ ገንዘብ አመዓራርዩ ይገልጾ። ክርስቶስ እቲ ሓቂ ሃብቲ ዝኾነ መንግሥቲ ኣምላኽ ክሰብኽ ኢዩ ናብ ምድሪ ዝመጸ፣ ነቲ ሃብቲ ፍቅሪ እዚኣብሔር ቅዱስ ጳውሎስ ንዝተቐበሎ ሕይወቱ ንኽልውጥ ዝገበሮ ግልጸት እዚኣብሔር ኢዩ።

እቲ ሓቀይና ሃብትን ኵለንተናና እነውፍረሉ ናይ ሕግን ኤኮኖምን ዘይኮነስ ጎይታ ክርስቶስ ኢዩ። እንክብሉ ዕለት 19 ሕዳር 2008 ዓ.ም ኣብ ዘቕረብዎ ረቡዓዊ ጉባኤ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዘረድኡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።

ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ቅዱሳት ሃብቲ ዝነበሮም ኣውፈርትን ሰብ ትካላትን ሃብቲ ንምእካብ ህርፋን ዝነበሮም ሓንሳብ ንኽርስቶስ ምስ ፈለጥዎ፣ እቲ ዅሉ ህርፋኖምን ግኡዛዊ ሃብቶም ከንቱ ምዃኑ ተረዲኦም፣ ኵሉ ምእንቲ ክርስቶስ ዛሕዚሖም ነቲ ሓቀይን ዝተኃብአ ሃብቲ ዝኾነ ክርስቶስ ብምምራጽ፣ ናቱ ኣባል ምኻኖም ዝመስከሩን፣ ቅድሚ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝሥራዕን ደው ዝብልን ወለሓደ’ኳ ከምዘየለ ዕለት 10 ታሕሳስ 2005 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ንዝርከቡ ገዳማውያን ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ከምዝተንተኑ ይዝከረ።

እቲ ብምሥጢረ ተክሊል ዝቐውም ሥድራ ቤት እቲ ሓቀይና ሃብቲ ዝተኃብኣሉ ግራት ምዃኑን ናይቶም ሰብ ቃል ኪዳንን ኣብ መንግኦም ዘሎ ርክብን ነዘጓንፎም ጸገማት ክሠግርሉ ዘኽእሎም ኃይሊ ዝተነበርሉ ኢዩ። እቶም ስብ ቃል ኪዳን ካብ ቅድሚ ዓይኖም እዚ ወርቅን ዕንቍን ከየርሓቑ ሃልሃልታ ፍቕሮም ከይደጎኑ፣ በቲ ዝረኽብዎ ሓቀይና ሃብቲ ነቲ ፍቕሮም ይነብሩ እንክብሉ ዕለት 26 መስከረም 2008 ዓ.ም. ነቲ ኣብ ጸገም ዝርከቡ ሰብ ቃል ኪዳን ናብ ፍትሕ ከይበጽሑ መንፈሳውን ሰብኣውን ስነ ኣእምሮኣውን ደገፍ ብምቕራብ ነቲ ሓቀይና ፍቕሪ ክበራበር ሰብ ሓዳር ካብ ፍተና ፍትሕ ክድሕኑ ዝጽዕር ተሩቫኢለ ተባሂሉ ንናይ ዝጽዋዕ ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘመልከት ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይዝክር።

ንኢየሱስ ክርስቶስ ምስዓብ ዓቢ ኃላፍነት እኳ እንተኾነ ንዓዑ ምኽታል ይሓይሽ ንሱ ጥራሕ ኢዩ ንሥድራ ቤትን ንእንፍጽሞ ሞያን ትምህርትናን ሥራሕናን ሰብኣዊ ፍቕርናን ብሓፈሻኡ ንሕይወትና ትርጉምን ክብርን ዘልብስ። እዚኣብሔር ጥራሕ ኢዩ እቲ ሓቀይና ወርቅን ዕንቍን ንሱ ጥራሕ ኢዩ ናይ ሕይወትና ሓቀይናን እንኮ ርውየት እንክብሉ ዕለት 4 ሓምለ 2010 ዓ.ም. ንመንሰያት ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ከምዘመልከቱን ሃብቲ ንገዛእ ርእሱ ሰናይ ኢዩ፣ ፍጽሙ ሰናይ ኮይኑ ድኅነትና ውሑስ ዝገብር ግን ኣይኮነን። ንሓደጋን ንጥፍኣትን እውን ከቃልዓና ዝኽእል ኢዩ። ኣብቲ ኃብቲ ዓለም መልሕቕ ልባትና ከይነንብር፣ ስለምታይ ኵሉ ሓላፋይ ኢዩ፣ ኣቲ ዘይሓልፍ ግን እቲ ኣብ የማን ኣቦ ዝተቐመጠ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ ኢዩ እንብሉ ዕለት 5 ነሓሰ 2007 ዓ.ም. ሰነበት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እዚኣብሔር ኣዕርጎም ኣብ ዘቕረብዎ ስብከት ከምዘመልከቱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.