2010-07-28 09:16:32

ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስትያን


ዕለት 19 ሓምለ 2010 ዓ.ም. ኣብ ፓኪስታን ክልተ ምእመናን ክርስትያን፣ ሃይማኖት ምስልምና ዘርክስ ተግባር ፈጺምኵም ብዝብል ክሲ ተታሒዞም ኣብ ትሕቲ ምርመራ ሓይሊ ጸጥታ ጸኒሖምን RealAudioMP3 ብናይ ፋይሳላባድ ሙላህ ናይ ሞት ፍርዲ ተበይንዎም ከብቅዕ፣ ብኣኽረርቲ ምእመናን ሃይማኖት ምስልምና ናይ ሞት ሓደጋ ዝወረዶም ብምጥቃስ ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ኣባይቲ ክርስትያን ናብ ናይ ፓኪስታን ርእሰ ብሔር ኣሲፍ ኣሎ ዛርዳሪን ንመራሔ መንግሥቲ ሰየድ ዩሳፍ ራዛ ጊላኒ፣ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ ጸረ ናይ ውሁዳን ሃይማኖታትን ዝተባብዕ ኣብ ናይታ ሃገር ሥርዓት ገበናዊ ፍትሒ፣ ስም ሃይማኖት ምስልምና ምጽላም ወይ ድማ ምርካስ ብዝብል ሓሳብ መሠረት ዘቕጽዕ ምዃኑን፣ ዓይነት ፍርድታቱ ዝተነብረሉ ሕጊ ጸረ ፍትሕን ጸረ ካልኦት ሃይማኖታትን ስም ነቢይ ንመሓመድ ዘርክስ ናይ ሞት ፍርዲ፣ ንቁርዓን ዘርክስ ድማ ንሕልፈት ዘፍርድ ምዃኑን እዚ ሕጊ’ዚ ብምጥቃም፣ ኣኽረርቲ ምእመናን ሃይማኖት ምስልምና ነቶም ናይ ውሁዳን ሃይማኖታት ምእመናን ንስደትን ወይ ድማ ብሓይሊ እምነቶም ንኽልውጡ ከም መጋበርያ ይጥቀምሉ ከምዘለዉ ብምሕባር ምእንቲ’ዚ መንግሥቲ ነዚ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ሰላማዊ ውህደት ኅብረ ሃይማኖታት ንሓደጋ ዘቃልዕ ዘሎ ናይታ ሃገር ሥርዓት ገበናዊ ፍትሒ መሊሱ ክርእዮን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ፣ መሰልን ፍቓድን ናይ ውሁዳን ሃይማኖታትን ክፍሊ ኅብረተሰብን ዝቃወም ስለ ዝኾነ ዘይሕጋዊ ሕጊ ምዃኑ ተረዲኡ ክሓኮ ከምዝሓተቱ ተፈሊጡ።

እዚ ዓለም ለኸ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስትያን ኣብ 110 ሃገራት ዓለም ዝርከባ 560 ሚሊዮን ምእመናን ዝሓቍፋ 349 ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስያን ዝጥርንፍ ማኅበር ምዃኑ እንክንገር፣ እዚ ኣብ ጀነቭ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ዝኾነ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስትያን ኣብ ፓኪስታን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ሰብኣዊ ክብርን ክኽበር ነታ ሃገር መንግሥቲ ኣብ ዝተሓላለፎ መልእክቲ ጻውዒት ከምዘቕረበ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኣብ ፓኪስታን በቶም ብኣኽረርቲ ምእመናን ሃይማኖት ምስልምና ዝተቐትሉ ክልተ ክርስትያን ኣሓዋት ዝተቖጥዑን ነቲ ዝተፈጸመ ሓደጋ ዝኾነኑ ንናይ ውሁዳን ኃይማኖታትን ውሁዳን ክፍሊ ኅብረተሰብ ፓኪስታን ጉዳይ ዝሓሊ ሚኒስትር ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ምእመን ሻህባዝ ብሃቲ ካብ ሥልጣኖም ክወርዱ ናይ ፓኪስታን ምሁራን ምእመናን ምስልምና ሃይማኖት ከምዝሓተቱ ተገሊጹ።

እዞም ክልተ ኣሕዋት ምእመናን ክርስትያን ጉዳዮም ኣብ ዘጻርይ ኣፍደገ ቤት ፍርዲ እንከለዉ ብኢድ ኣኽረርቲ ምእመናን ሃይማኖት ምስልምና ዝተቐሉ ምዃኖም ክዝከር እንከሎ፣ እቶም ክርስትያን ሚኒስትር ሻባዝ ብሃቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ክልተ ኣሕዋት ዝቐረበ ክሲ መሠረት ኣልቦ፣ ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ኣቲ ሃይማኖት ምርካስ ገበን ኢዩ ዝብል ኣብ ናይ ስርዓት ገበናዊ ፍትሒ ፓኪስታን ዘሎ ሕጊ ብዘይግቡእ ምጥቃም ዘስዓቦ ማሕበራውን ሰብኣዊ ጸገም ምዃኑን፣ ብዙሓት ነቲ ጸረ ውሁዳን ሃይማኖታት ዕላማኦም ንምትግባር ይጥቀምሉ ኣለዉ ከምዝበሉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ምሁራት ምእመናን ሃይማኖት ምስልምና ብፍላይ ድማ ካብ ምሁር ኣካል ኣላማ አህመድ ማያን ሃማዲ፣ ሚኒስትር ብሃቲ ካብ ሥልጣኖም ክወርዱ ከምዝሓተቱ ኤሺያን ኔውስ እንክሕብር፣ ኣብ ፓኪስታን ዝሕተም ደይልይ ካሳራትቸ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ፣ ሃይማኖት ዘርክስ ንፍርዲ ሞት ኣሕሊፍካ ምሃብ ጭካኔ ኣይኮነን ብዝብል ኣእርስቲ ነቲ ዝተፍጸመ ቅትለት ምኽንያታዊ ኢዩ ዝብል ሃሳብ ከምዘስፈረን፣ ናይቲ ከባቢ ሓይሊ ጸጥታ ናይቲ ናይ ቅትለት ገበን ተሓተትቲ ዝኾኑ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታው ብዘካይዶ ዘሎ ምርመራ፣ ሓደ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘእተወ ናይቲ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ዝዘርግሖ መግለጺ ከምዘመልክት ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.