2010-07-22 15:18:24

ቪየና፣ ብዛዕባ ሕማም ኤይድስ ዝዝቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ


ኣብ ከተማ ቪየና ክሳብ ዕለት 23 ሓምለ 2010 ዓ.ም. ዝቕጽል ብዛዕባ እቲ ቀዛፊ ሕማም ኤይድስ ዝዝቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅድሚ ትማሊ ከምእተጀመረ እንክንገር፣ ኣብዚ ጉባኤ ዝሳተፍ ዘሎ ብካሪታስ RealAudioMP3 ዝጽዋዕ ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበር፣ ሕማም ኤይድስ ንምግታእ ንዝግበር ጻዕሪ መካየድ ዝስላዕ ሃብቲ ገንዘብ፣ ኣዚዩ እናተሓተ ይኸይድ ከምዝሎን እዚ ድማ ብሓቂ ሥግኣትን ፍርሓትን ዘሕድር ኢዩ ከምዝበሉ ተገሊጹ። ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ሓለዋ ጥዕና ኣብ ዓለም ብኤይድስ ኅዋስ ዝተለኽፉ 33 ሚሊዮን ከምዘለዉም ካብዚ ኣቶም ክልተ ሲሶ ኣብ ኣፍሪካ ሃገራት ትሕቲ ሰሓራ ዝነብር ከምዝኾነን፣ ኣብ ዓመት 2.7 ሚሊቶን ዝግመቱ ብኅዋስ ኤይድስ ከምዝልከፉን የመልክት።

ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ንመደብ ምግታእ ምስፋሕ ሕማም ኤይድስ እንተወሓደ 2,7 ሚሊዮን ዶላር ከምዘድልን፣ እንተ ኾነ ግን እቲ ሕቡራት መንግሥታት ዝሓንጸጾ መደብ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ሃገራት ዝምድብኦ ናይ ገንዘብ ሃብቲ፣ እዅል ከምዘይኮነን፣ ነቲ ክብጻሕ ዝድለ ሸቶ ዘረሕቕ ምዃኑ ይንገር። ብፍላይ ነቲ ኣብ ድኻታታ ሃገራት ዝካየድ ዘሎ መደብ ምግታእ ምስፋሕ ሕማም ኤይድስ ከይዲ ዘደናጉይ ከምዝኾነ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም መግለጺ የመልክት።

እቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ናይ ተራድኦ ማኅበር ናይ ጸረ ሕማም ኤይድስ ጉዳይ ኣማኻሪ ኣብቲ ናይ ቬየና ጉባኤ ዝሳተፉ ዘለዉ ብፁዕ ኣቡነ ሮበርት ቪቲሎ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ንመደብ ምግታእ ምስፋሕ ናይ ኤይድስ ኅዋስ ዝስላዕ ናይ ገንዘብ ሃብቲ እና ተሓተ ኢዩ ዘሎ፣ እዚ ድማ ብሓቂ ንናይ ጸረ ኤይድስ ዝግበር ጻዕሪ ዓቢ ጸቕጢ ኢዩ። እቲ ናይ ቪየና ጉባኤ ነዚ ጉዳይ’ዚ ኣነጺሩ ከምዘስመረሉን ሓቢሮም፣ ንናይ ጸረ ሕማም ኤይድስ ዝግበር ናይ ስነ ፍልጠት ምርምር ጻዕሪ ናብ ቅድሚት ከይስጉምን እቶም ሓደስቲ ብኅዋስ ኤይድስ ዝልከፉ ግቡእ ናይ ጸረ ኢይድስ ሕክምና ከይረኽቡ ዝድርኽ ኢዩ ቢሎም፣ ኣብ ኣፍሪቃን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኤውሮጳን እስያን ብዝሒ ናይቶም ብኤይድስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ኣብቲ ዘለዎ ዝጸንዔ እኳ እንተመሰለ ኣቶም በዚ ሕማም ዝተለኽፉ ዜጋታት ኣብ ዝተነጸለ ሕይወት ክነርቡ ዘገድዶም ኵነት ከምዝርኤን፣ ምስፋሕ ግብረ ዝምውናን ምጥቃም ዘደንዝዙ ዕጸዋትን ንምስፋሕ ሕማም ኤይድስ ዓቢ ተራ ከምዘለዎ እቲ ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ክንክን ጥዕና ዘወጽኦ መግለጺ ጠቒሶም ሓደስቲ ብኅዋስ ኤይድስ ዝልከፉ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ኣብቲ ጉባኤ ሕማም ኤይድስ ንምውጋድ ናይ ሕክምና ስነ ፍልጠት ዝበጽሖ ከይዲ ምርምርን ዝህቦ ዘሎ ውጽኢት ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ጸብጻብ ከምዝቐረበ ሓቢሮም፣ እቲ ኣብዚ እዋን ተረኺቡ ዘሎ መድኃኒት ናይ ኤይድስ ኅዋስ ኣብ ሰብነት ሰብ ዘስዕቦ ደረጃ ረኽሲ ዘትሕት ከምዝኾ ገሊጾም።

እዚ ናይ ቪየና ጉባኤ እቲ ናይ ጸረ ኤይድስ ሕክምና ኵላዊ ክኸውን መታን ነተን ናይ መድኃኒት ኅብረ ኢንዳስትሪታት ዘተሓሳስብን፣ ዝኾነ ይዅን ብኤይድስ ኅዋስ ዝተለኽፈ ሰብን ናይቲ ኅዋስ ተሰካሚ ዘበለ ኵሉ ክንክን ጥዕና ጸረ ኤይድስ ክረክብን፣ ኣብተን ኣብ ጎደና ምዕባለ ዝርከባ ሃገራት ክፍሊ ደቡብ ዓለም፣ እቲ ናይ ጸረ ኤይድስ ሕክምና ውሑስ ክኸውን ጻውዒት ዘቕርብ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ጉባኤ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ቦታ ብዙሓት ነቲ ኣብ 2005 ዓ.ም. እተን ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሸሞንተ ሃገራት ዝሓቍፍ ማኅበር ኣብ ስኮዚያ ከተማ ግለነኣግለስ ኣካይድዎ ኣብ ዝነበረ ጉባኤ ንመደብ ጸረ ኤይድስ ትግባሬ ዝኣተዎ ቓል ኣብ ቀረባ እዋን ንምኽባሩ ከጸግሞ ከምዝኾነ ዝሃቦ መግለጺ መሠረት፣ ዝተኣተወ ቓል ዘይምኽባር ፍርዲ ሞት ኢዩ ብዝብል ጭርሖ ዝተመርሔ ሰላማዊ ሰልፊ ከምእተኻየደ ይዝከር።







All the contents on this site are copyrighted ©.