2010-07-17 14:20:04

ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘ ቀርመሎስ


ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ትማሊ ዕለት 16 ሓምለ 2010 ዓ.ም. ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘ ቀርመሎስ እኽቢራ ከምዝወዓለት ተገሊጹ። እዚ በዓል’ዚ ናይ መጀመሪያ RealAudioMP3 ማኅበር ካህናት ዘ ቀርመሎስ ጠቕላሊ ሓለቓ ብፁዕ ሲሞን ስቶክ ዕለት 16 ሓምለ 759 ዓ.ም. ግልጸት ቅዱስ ስካፖላር ኣብ ኢዱ ዝሓዘ ኢየሱስ ሕጻን ዝሓቖፈት ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ዝቕበለሉ ዕለት ንነጀው፣ እታ ዕለት በቢ ዓመቱ ኣብ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያንን ኣብ ካልኦት ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘ ቀርመሎስ ዝምሕጸኑ ማኅበራት ገዳማውያን ካህናትን ደናግልን ዓለማውያን ምእመናን ክብዕል ከምዝጀመረ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ታሪኽ ማኅደር ይሕብር።

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ልክዕ ዕለት 16 ሓምለ 2006 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 እንከረድኡ፣ ቀርመለሳውያን ኣብ ሕዝበ ክርስትያን ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን ተኣዝዞ ንእግዚኣብሄርን ኣብነት ኣብ ዝኾነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘ ቀርመሎስ ውፍይነት ክህልዎ ከምዘነቓቕሑን ገሊጾም፣ ማርያም እቲ ኣብ መንጎ ሰብን እግዚኣብሔርን ፍጹም ርክብ ቃል ሥጋ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ብዘይ ምጥርጣር ብምልኣት ዝኣመነት ከምዝኾነትን፣ ነቲ ቃል ብምልኣት ኣእንጊዳ ምልኣት ሓጎስ ተዓዲላ ምስ ጎይታ ብሥጋን ነፍስን ንዘልኣለም ነባሪት ኢያ ከምዝበሉ ይዝከር።

ዕለት 1 ሰነ 2008 ዓ.ም. ልበ ማርያም ንጹሕን ዘይተሓላለኸን ንብርሃን እግዚኣብሔር ብምልኣት ክፉት ዝኾነን ነፍሳ ብሓጢኣት ዘይተበከለን ብትዕቢትን ኣነነትን ዘይከበደን ንዕብየት እግዚኣብሔር ኣፍልጦ ዝሃበት ከምዝኾነትን እዚ ድማ ኣብ ዝኾነ ይዅን ናይ ታሪኽ ማዕበላት እቲ ንፍጥረት ውሕስነት ኮይኑ ካብ ፍርሃትን ራዕድን ናጻ ዘውጽእ ናይ እምነት ቀዳማይ ደረጃ ስምዒት ከምዝኾነን ቅዱስነቶም ኣረዲኦም ቀጺሎም፣ ኅልውናና ንብጻይካ ብዝሥዋኦ ናይ ፍቕሪ ኣገልግሎትን ብለጋስነትን ኣህብቲምና ንእግዚኣብሔር ምስጋና ገይርና ብሓጎስ ከነቕርቦ እንኽእል እቲ ናይ ማርያም ምሥጋናን ክብርን ናብ እግዚኣብሔርን እምነታን ተስፋኣን ተወፋይነታን ንኣገልግሎት ቅሩብነታን ሓልዮታን ናትና ገይርና ምስእንጓዓዝ ጥራሕ ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።







All the contents on this site are copyrighted ©.