2010-07-17 14:25:33

ዓለም ሓቆፍ ቀዳማይ መዓልቲ ኒልሶን ማንደላ


ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ኣብ ዓለም ናይ ሰላምን ነጻነትን ባህሊ ንኽረጋገጽ ዘይተሓለለ ኣብነታዊ ጻዕሪ ኒልሶን ማንዴላ ኣብ ግምት ብምእታው በቢ ዓመቱ መዓልቲ ኔልሶን ማንዴላ ክዝከር ብዘሕለፎ RealAudioMP3 ውሳኔ መሠረት ጽባዕ ዕለት 18 ሓምለ 2010 ዓ.ም. ቀዳማይ መዓልቲ ኒልሶን ማንዴላ ኣብ መላእ ዓለም ክዝከር ምዃኑ ተገሊጹ።

እቲ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ሓፈሻዊ ጉባኤ በቢ ዓመቱ ዕለት 18 ኒልሶን ማንዴላ ኣብ መልእ ዓለም ንኽብዕል ኣብ ዘተሓላለፎ ውሳኔ፣ ብፍላይ ናይ ኒልሶን ማንዴላ ኣብነታዊ ሕይወት ዘመሓላለፎን ዘመሓላልፎ ዘሎ ክቡር ዋጋ ግጭት ንምውጋድን ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ማኅበረሰብን ዓሌታትን ክህሉ ዝግብኦ ናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራ ብምርግጋጽ ንሰብኣዊ ኣገልግሎት ዘበርከትዎን ዘበርክትዎ ዘለዎ ኣስተዋጽኦ ብምጥቃስ ሰላም ንምርግጋጽን ንምስፋሕን ናይ ሕፃናት መሰልን ፍቓድን ናይ ካልኦት ንዝተፈላለዩ ሓደጋ ዝተቓልዑ ክፍሊ ኅብረትሰብ መሰልን ፍቓድን ንምርግጋጽ ሰብኣዊ ክብሪ ብዘይ ሌላን ጉሌላን ክኽበርን ነቶም ካብ ጎደና ምዕባለ ጠሪሾም ዝተገሉ መሰልን ፍቓድን ንኽረጋገጽ ዝህብዎ ዘለዎ ኣብነታዊ ኣስተዋጽኦ ኣፍልጦ ዝህበ ሓሳብ ሠፈሪ ኣሎ።

ብዛ ቀዳመይቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኒልሶን ማንዴላ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ “ናይ ኒልሶን ማንዴላ ሕይወትን ኃይልን ትሕትናን ንዅልና ኣብነት ኢዩ። ምስ ኒልሶን ማንዴላ ብምርኻበይ ኣዚየ ዕድለይና ኢየ፣ ምስኦም ተራኺብካ ኣብ ገጾምን ቃላቶን እተስተውዕሎ ጽንዓቶምን ትሕትናኦምን መሪሕ መንፈሶምን ኣዚዩ ዝገርምን ዝማርኽን ኢዩ ከምዝበሉ ተሓቢሩ። እቲ ዝገርምን ዘደንጽውን እቲ ዘለዎም ትሕትና ኢዩ፣ ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ከተመስግኖም ምስ እትጅምር ካልኦት ንምርግጋጽ መሰልን ፍቓድን ፍጥረት ሰብ ዘበርከትዎ ኣስተዋጽኦ ጥራሕ እናዘርዘሩ የዛርቡኻ፣ ዕድልን ኣጋጣምን እውን ዘለዎም እኳ እንተኾነ ናይ ሥልጣን ህርፋን ብሃብቲ ናይ ምድላብ ድላይ ጠሪሹ ዘይረኣየሎም፣ ተራ ዜጋ ኮይኖም ዓበይቲ ነጋራት ዝፈጸሙ፣ ሥልጣን ኣገልግሎት ምዃኑ ብቓልን ግብርን ዝመስከሩ፣ ንደቡብ ኣፍሪቃ ጥራሕ ዘይኮነስ መላእ ዓለም ዓቐን ሰብኣውነት ክህልዋ ብኣብነቶምን ጻዕሮምን ዘተባብዑን ነጻነትን ፍትሕን ዴሞክራስን ንኽረጋገጽ ዘበርከትዎ ጻዕሪ ዝዘርዘሩ ባን ኪ ሙን ምስጋናኦም ከምዘቕረቡ ተገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.