2010-07-17 14:29:23

ኮንጎ፣ ስእነት ሰላምን ምርግጋእን


ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ሰሜናዊ ኪቩ ዘሎ ግጭትን ሁከትን ሕጂ እውን ይቕጽል ከምዘሎ እንክንገር፣ ናይ ሕቡራት መንግሥታት መግለጺ ከምዘመልክት፣ በቲ ኣብ መንጎ ናይ ኮንጎ RealAudioMP3 ደሞክራሲያዊት ሬፓብሊክ ወተሃደራት መንግሥትን ናይ ኡጋንዳ ናይ ነጻነት ግንባርን ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት ምኽንያትን፣ እዞም ናይ ኡጋንዳ ናይ ነጻነት ግንባር ናብ ምሥራቓዊ ከባቢ ኮንጎ ከምዝኣተዉ ልዕሊ 70 ሺሕ ከምእተመዛበሉን ዕስራ ዝግመቱ ናይቲ ከባቢ ተቐማጦ ና ሞት ሓደጋ ከምዝወረዶምን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ኮንጎ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዝፍጽሙ ዘለዉ ወንጌላዊ ልኡኽ ስሞም ከይጠቐሱ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ከባቢ ብናይ ረብሓ ምትሕልላኻት ዝተመልኤ ከምዝኾነ ሓቢሮም፣ ኣብቲ ከባቢ ሓደስትን ቅኑዓትን መራሕቲ ብምስንዳው ጥራሕ ኢዩ ናይቲ ከባቢ ሁከትን ውጥረትን ክፍታሕ ዝከኣል ኢሎም፣ ናይ ተስፋ ምልክት ክርኤ ኣብ ዝጅመረሉ እዋን ብተደራራቢ ናብ ተስፋ ምቁራጽ ዝመርሕ ዝተሓላለኸ ኩነት ድማ ክፍጠር ትርኢ፣ እቲ ናይ ኮንጎ ምሥራቓዊ ከባቢ ብዘተን፣ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ሰናይ ተበግሶታት ምኽንያት ሰላም ንኽረጋገጽ ብዙሕ ተጻዒሩ ኢዩ፣ እቲ ከባቢ ብናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ዝተዓደለ ብምዃኑ ብጥቅሚ ዝተሓላለኸ ኢዩ፣ ድሕሪ ሕዝባዊ ምርጫ ኣብ ኮንጎ ዝርኤ ውጥረትን ሁከትን ክጠፍእ ኢዩ ዝብል ተስፋ ተነቢሩ ኔሩ ኢዩ፣ እነሆ ግን ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ሰላም ንኽረጋገጽ ብዙሕ ይጽዕሩ እኳ እንተሃለዉ፣ እቲ ውጥረት ከምዘሎ ይቕጽል ኣሎ ኢሎም።

ፖሊቲካ ንሕዝቢ ዘገልግል ኣብ ኣገልግሎት ሕዝቢ ዝውዕል እምበር ናይቶም መራሕትን ናይ ፖለቲካ ኣካላት ናይ ሃብቲ መደለቢ መሣርሒ ክኸውን የብሉ፣ እዚ ዓይነት ትርጉም ፖሊቲካ ነቲ ዘሎ መንግሥትን ኣባላቱን ምርዳእ የድሊ፣ እንተዘይኮኑ ኵሉ ንናይ ውልቃዊ ረብሓኡ ጥራሕ እንተድኣ ዝጓየ ኮይኑ ናይ ሓባር ጥቅሚ ዘነቓቕሕ ማኅበራዊ ሕሊና ፈጹሙ ኣይክህሉን ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.