2010-07-17 15:31:38

ረዲኤት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንሃዪቲ ፡


አብ ቫቲካን ናይ ኮር ኡኑም ዝተወሃሃደ ልቢ ጳጳሳዊ ቤት መኽርን ፖፖሎሩም ፕሮግረስዮ ማኅበር ህዝባዊ ልምዓትን ላዕላዋይ በዓል ስልጣን ብፁዕ ካርዲናል ፓውል ጆሰፍ ኮርደስ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ዕለት ዕስራን ክልተን ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ሃዪቲ ርእሰ ከተማ ፖርት ኦው ፕሪንስ ንቤት ትምህርቲ ቅዱስ ፋንስዋ ዘ ሳለስ ዝለገስዎ 250.000 ሺሕ ዶላር ከብጽሑ ከም ዝጓዓዙ ዝተወሃሃደ ልቢ ጳጳሳዎ ቤት ምኽሪ ዘውጽኦ መግለጺ አፍሊጡ ።

እቲ ዝሐለፈ ወርሒ ጥሪ አብ ደሴት ሃዪቲ ዝተኸሰተ ምንዋጽ መሬት ናይ 230.000 ሽIህ ህዝቢ ሕይወት ከም ዝለከመን ሐደ ሚልዮን ህዝቢ ከም ዘዘናበለን ንብረት ከም ዘብረሰን ክዝከር ከሎ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ፋንስዋ ዘ ሳለስ ፍጹም ከም ዝዓነወ ዝዝክር ኢዩ።

ብፁዕ ካርዲናል ፓውል ጆሰፍ ኮርደስ ብዘይካቲ ንዳግመ ህንጻ ቤት ትምህርቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንካሪታስ ሃዪቲ ዝለገስዎ መጠኑ ዘይተገልጸ ገንዘብ ከም ዘረክቡ እቲ መግለጺ አመልኪቱ አሎ።

ብፅዕነቶም አብቲ አብ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን አብ ዶመኒካን ረፓብሊክ ዝካየድ አኬባ ማኅበር ህዝባዊ ልምዓት ክስተፉ ምዃኖም ክአ እቲ መግለጺ አገንዚቡ።

እቲ ብብፁዕ ካርዲናል ፓውል ጆሰፍ ኮርደስ ዝምራሕ ናይ ቫቲካን ልኡኽ አብ ፖርት ኦው ፕሪንስ ብጠንቂ ምንዋጽ መሬት ዝተዘናበለን ብቤተ ክርስትያን ሃይቲ ዝናበን ህዝቢ ከም ዝበጽሕን ተፈሊጡ አሎ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.