2010-07-15 14:31:29

ናይ ቅዱስ ኣቦና ሥልጣናዊ ትምህርቲ፣ብዛዕባ ንትሑታት ዝተገልጸ ወንጌል


ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ንባባትን ንባበ ወንጌል ባሕሪ ሓሳብ መሠረት፣ ትማሊ ዝተነበ ቃል ወንጌል፣ ካብ ማቴዎስ ምዕራፍ 11 ካብ ፍቕዲ 25 ክሳብ 27 “ RealAudioMP3 በቲ እዋን እቲ፣ ኢየሱስ ከምዚ ዚስዕብ እናበለ ተዛረበ፦ “ኦ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን፣ እዚ ኻብ ብልህታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሓባእካዮ፣ ንሕፃናት ግና ስለ ዝገለጽካዮ፣ አመስግነካ ኣሎኹ። እወ ኦ ኣቦይ! ኣብ ቅድሜኻ ዘሓጐሰካ ንሱ እዩ። ካብ ኣቦይ ኵሉ ተዋሂቡኒ ኣሎ። ብዘይካ ኣቦ ንወልድ ዚፈልጦ ሓደ እኳ የልቦን፣ ነቦ ድማ ብዘይካ ወልድን እቲ ንሱ ኪገልጸሉ ዚፈቱን እንተ ዘይኮይኑ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን።” ዝብል ምዃኑ እንክንገር፣ በዚ መሠረት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዕለት 30 ጥቅምቲ 2008 ዓ.ም. ንናይ ጳጳሳዊ መናብረተ ጥበብ ኣብ ዘስምዕዎ ሥልጣናዊ ትምህርቲ፣ ዝጎድእ ፍልጠት ዘይኮነስ፣ ትዕቢትን ኣነነትን ንቕጽናን ኢዩ፣ ፍልጠት ንገዛእ ርእሱ ክቡር ዋጋ ኢዩ፣ ኣነተኾነ ግን ድምዲምካ ፈሊጠ ኣብ ፍጻሜ ፍልጠት በጺሔ ኵሉ ጨቢጠዮ ቢልካ ምሕሳብ ድርቅና ኢዩ። እዚ ኢዩ ድማ ኣብ ቤተ ክርስትያን ውሽጢ ካብዚ ብተመሳሳልነት እውን ኣብ ኅብረተሰብ ፍልልያትን ዘይምርድዳእን ዘስዕብ ዘሎ ኣንክብሉ ከምዘስተምሃሩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።

ፈጣሪ ኵሉ ዝኾነ እግዚኣብሔር ንዅሉ የፍቕር፣ ገለ ገለ ሰባት ልባቶም ስለዝዓጽዉ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ልባቶም ቆይሙ ይተርፍ፣ ኣዚእቶም እግዚኣብሔር ኣየድልየንን፣ ድላዩ የብለይን፣ ገለ ገለ ሰባት ድማ ኣብ ዘሕዝን ግብረ ገብን ሓጢኣትን ስለ ዝርከቡ ንእግዚኣብሔር ከማዕድዉ ይርኣዩ፣ ናቱ ትኽክለይናን ንጹር ሓሳብ እውን ኣይሃልዎም፣ ምሕረትን ለውሃትን ከምዘድልዮም ዝፈልጡ ኢዩም። ኣብቲ ንናይ እግዚኣብሔር ናይ ትጽቢት ብርሃን ክፉት ዝኾነ ልቢ እግዚኣብሔር ብርሃኑን ሰላሙን ከንብር ይኣትው እንክብሉ ዕለት 24 ታሕሳስ 2005 ዓ.ም. በዓለ ልደት ለይቲ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዘስተምሃሩ ይዝከር። እግዚኣብሔር ነቶም ዓበይቲ ተመራመርቲ ብሓንጎለይን ፍልጠተይን ዝብሉ ዘይኮነስ፣ ነቶም ትሑታትን ገዛእ ርእሶም ንዓዑ ቅሩባት ዝገብሩ ነቲ ንእግዚኣብሔር ዘናድይ ናይ ምዃን ባህርያዊ ድልውነቶም ጽን ንዝብሉን ብናይ መለኮታዊ ተግባር ክማረኹ ንዝፈቕዱ ገዛእ ርእሱ ከምዝገልጽ ዘመልከት ሥልጣናዊ ኣስተምህሮ ኢዩ።

ናይ እግዚኣብሔር ጥበብ ኣብቲ ንኣይሁድ ዕንቅፋት ንግሪኻውያን ድማ ዕሽነት ኣብ ዝኾነ ናይ መስቀል ምሥጢር ኢዩ ተገሊጹ። ዕንቅፋትን ዕሽነትን ዝኸውን ድማ ኣብቲ ስቓይን ውድቀትን ፍሽለትን ስዕረትን ስለ ዝትኮር ኢዩ፣ ኣብቲ ስቓይን ውድቀትን ፍሽለትን ስዕረትን ናይቲ ደረት ኣልቦ ዝኾነ ናይ እግዚኣብሔር ኃይሊ ፍቕሪ ተነቢሩ ኣሎ። መስቀል ናይ ፍቕሪ መግለጺ ምልክትን ናይቲ ኣብ ስዕረትን ድኻምነትን ዝግለጽ ኃይሊ ፍቕሪ ኢዩ እንክብሉ ዕለት 29 ጥቅምቲ 2008 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መደብ ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ከምዘረድኡ ናይ ቅድስት መንበር መግለጺ የዘኻኽር።

ኣብ ታሪኽ መስቀል ሰዓሪ ከምዝኾነን፣ መስቀል ከምዝሰዓረን ዝርድኡ እቶም ትሑታትን ነኣሽቱን እምበር እቶም ፈላጣት ንመስቀል ዝቀናቐኑን ኣይኮኑን። እቶም ነኣሽቱ ልክዕ ከም ማርያም ኣብቲ ልበይ ንእዚኣብሔር ተዕብዮ ዝብል ናይ ምስጋና ጸሎታ ዝተመስከረ፣ ብናይ እምነት ዓይኒ ኣብ ታሪኽ ናይ እግዚኣብሔር ተግባር የተኵሩ፣ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 31 ግንቦት 2008 ዓ.ም. ንወርሒ ማርያም መዕጸዊ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ፣ ማርያም ብፅእት ኢያ፣ ስለምንታይ ብእምነታ፣ ናይ ጐይታ ቓል ኣብ ማህጸና ተቐቢላ ሥጋ ለቢሱ፣ እምነታ ኃያላት ካብ ዙፋኖም ከውርዶምን ናይዚ ዓለም ዙፋን ግዚያዊ ከምዝኾነን፣ እቲ ነባርን ዘለዓለማውን ናይ እግዚኣብሔር ዙፋን ከምዝኾነ ክትርእይ ገይርዋ ኢዩ። እቲ ናይ ማርያም ጸሎት ምስጋና ኣብ ታሪኽ ናይ ታሪክ መረድኢ ትኽክለይና ፍሉይ መፍትሕ ከምዝኾነ ድማ ቅዱስነቶም ኣመልኪቶም፣ እቶም ፈላጣት ናይ ታርኽ ሊቃውንቲ ኢና ዝብሉ ምሁራት፣ ናይ ታሪኽ መተንተንን መረድእን ቢሎም ዘቕርብዎ ናይ ሓሳብ መፍትሕ ግን ክስገርን ወድቒ ክኸውንን ተራእዩ ኢዩ ከምዝበሉ ይዝከር።








All the contents on this site are copyrighted ©.