2010-07-15 14:30:02

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፣ ናይ ሃይማኖት ነጻነት መሠረት ናይ ኩሉ ነጻነት


በቢ ዓመቱ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ተኸታሊ ቅዱስ ጵጥሮስ መልእኽቲ ሰላም ዘመሓላልፉ ምዃኖም ክዝከር እንከሎ፣ እነሆ ድሮ ንናይ 2011 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ቅዱስ ኣቦና RealAudioMP3 ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ሃይማኖት ነጻነት መሠረት ናይ ካልእ ኵሉ ዓይነት ነጻነት ምዃኑ ብዕምቆት ኣብ ዘረድእ ሓሳብ ዘማእከል ከምዝኸውን ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።

እምነትካ ምንባርን ምግላጽን ፈጺሙ ክገሃስ ዘይብሉ ሰብአዊ መሰል ምዃኑን፣ ምኽባር እምነት ናይ ምግላጽ ነጻነት፣ መገዲ ሰላም ምዃኑን፣ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ናይ ነጻነታት ናጽነት፣ ንኻልእ ዓይነት ነጻነት ናጻ ዝውጽእ መሠረታዊ ነጻነት ከምዝኾነ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ሰላም መልእኽቲ ብዕምቆት ከስተምህሩ ምዃኖም፣ ጳጳሳዊ ናይ ሰላምን ፍትሕን ቤት ምኽሪ ቅድሚ ትማሊ ብዛዕባ እቲ ናይ ሰላም መልእኽቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ የመልክት።

ናይ ኢጣሊያ ሰሜናዊ ከባቢ ናይ ቲይሎጊያን ፍልስፍናን መንበረ ጥበብ መምህር ናይ ቲዮሎግያን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ዝግበር ዘተ ሊቅ ኣባ አንድረያ ፓቺኒ ብዛዕባ እቲ መልእኽቲ ሰላም ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ቅዱስ ኣቦና ናይ ወዲ ሰብ ሃይማኖታዊ ኩርናዕ እቲ ብዕምቆት ናይ ወዲ ሰብ ጥልቂ ትጽቢታት ዝገልጽን ዘረድእን ናይ ሰላም መሠረት ከምዝኾነን፣ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ኣደ ናይ ዝተፈላለዩ ዓይነት ነጻነታት፣ ናይ ነጻነታት ናጽነት ኢዩ ቢሎም፣ ናይ ሃይማኖትን ናይ ሕልንና ነጻነት ናይ ነጻነታት መሠረት ምዃኑ ንምትንታን ዝሃቀነ መልእኽቲ ሰላም ኢዩ ኢሎም።

ኣብ’ዚ እንነብረሉ ዘሎና ኅብረ-ባህሊ ዝተረጋገጸሉ ዓለም፣ ኣብ ዝተፈላለያ ባህልታት ምርድዳእን ምቅርራብን እንተድኣ ዘይሃልዩ፣ ተነጺልካ ናይ ምንባር ሓደጋ ከኸትል ከምዝኽእልን፣ ብስም ኅብረ - ባህሊ፣ ባህሊ ኣብ ሕዝባዊ መድረኻትን ኣባይቲ ትምህርትን ኣፉ ክዕበስ፣ ዝተፈላለየ ሃይማኖት ምኽባር እናተባህለ ናይ ኵለን ሃይማኖታት ዓፈ ምዕባስ ተግባር ከምዝርኤ ኣመልኪቶም፣ ስለዚህ ኅብረ ባህሊ ክበሃል እንከሎ ኩለን ባህልታት መንነትን ዝገልጻሉን በዚ መሠረት ድማ ምልላይን ምርድዳእን ምቅርራብን ምክብባርን ዘረጋግጽ ናይ ዝተፈላለዩ ባህልታት ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ማለት ኢዩ።

ናይ ካልእ ባህሊ ንምኽባር ናይ ገዛእ ርእስኻ ባህሊ ምጽቃጥ ጌጋ ኢዩ፣ ናትካ ባህሊ እንተድኣ ዘየኽቢርካ ናይ ካልእ ባህሊ ከተኽበር ማለት ዘበት ኢዩ፣ ኣብ ኤውሮጳ ብስም ዓለማውነት ዝሰፍሕ ዘሎ ናይ ቤተ ክርስትያንን ከምኡ ድማ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ተራ ናይ ምድራት ተግባር ንገዛእ ርእሱ ንናይ ሃይማኖት ነጻነት ዝጻረር ኢዩ ኢሎም፣ ቅዱስ ኣቦና ይብሉ ወዲ ሰብ መሰሉን ግቡኡን ክረጋገጸሉ እግዚኣብሔር ክኽሕድ ወይ ድማ ኣይፋል ክብል ግድን ኣይኮነን፣ ምእንቲ’ዚ ቤተ ክርስትያን ነዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ ብጥበብን ብትሕትናን ብጥንቃቔን ብህድኣትን ጌጋ ምዃኑ ብምርድእ ክትብድሆ ይግኣ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.