2010-07-10 12:44:43

ቅድስቲ መንበርን ፈደራላዊት ሬፓብሊክ ጀርመንን


ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 28 ሰነ 2010 ዓ.ም. ኣብ በርሊን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ዣን ክላውደን ኣብቲ እዋን ናይታ ክፍሊ ፈደራላዊት ጀርመን ታሕተወይቲ ሳክሶንይ ነቲ RealAudioMP3 ኣብ ወረሒ ሚያዝያ ዕለት 6 2010 ዓ.ም. ኣብተን ክፍሊ ግዝኣት ታሕተዋይ ሳክሶንይ ሰበኻታት ሂልደሻይምን ኦስናብሩክን ሙዩኒስተርን ዝርከብ ናይ ካቶሊክ ኣቢያተ ትምህርቲ ሕጋዊ መቕወም ብዝምልከት፣ ነቲ ኣብ 1965 ዓ.ም. ዝተበጽሔ ናይ ስምስምዕ ሰነድ ኣብ ዓንቀጽ 6 ዘመልክቶ ናይ ሓባር ውሳኔ ንምምሕያሽ ዝሓቀነ ኣብ ዘካይድዎ ርክብ ዝተበጽሐ ናይ ሓባር ስምምዕ ብቅድስቲ መንበርን ብናይ ታሕተዋይ ሳክሶንይ ግዝኣት ወገን ብምፍራም ንምርግጋጽ ስምምዕ ከምእተገብረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ርክብ ኣብ ታሕታዋይ ሳክሶንይ ናይ ካቶሊክ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ፈሊክስ በርናርድ ከምእተሳተፉ እውን ክንገር እንከሎ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብዝሓለፈ ዕለት 30 ሰነ 2010 ዓ.ም. ክርስትያን ዎልፍ ናይ ፈደራላዊት ረፓብሊክ ጀርመን ርእሰ ብሔር ንኽኾኑ ከምእተመርጹ ዝዝከረ ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.