2010-07-08 14:30:58

ሰሜን ኮሪያን ናይ ሃይማኖት ነጻነትን


ኣብ ሰሜን ኮሪያ ሓደ ናይ ወንጌላዊት ቤተ ርክስትያን ኣባል መንእሰይ ሶን ጆንግ ናም ኣብ ቤቱ 20 መጽሓፍ ቅዱስን ካልኦት ናይ ክርስትና ሃይማኖት ዝምልከቱ ጽሑፋትን መጻሕፍትን ስለ RealAudioMP3 ዝተረኽበሉ ተኣሲሩ እንከብቅዕ ድሕሪ መግረፍትን ስቓይን ኣብ 2008 ዓ.ም.ፈ ከምእተቐትለ ኣብ ደቡብ ኮሪያ ተሰዲዱ ዝቕመጥ ናይቲ ዝተቐለ ሓው፣ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዝሃቦ መገልጺ እንከረጋገጽ፣ ኣብ ፕዮንግያንግ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ፍቑድ ምዃኑ ኣብ ቅዋም ሃገር ዝተመልከተ እኳ እንተኾነ ኣብ ጽሑፍ እምበር ገና ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ መሰል ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ ማኅብረ ክርስትያን ናይ ምዕራባውያን እምነት ብሕልፊ ድማ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ሰዓብቲ እናተባህሉ ከም ከዳዓት ሃገር ተቖጺሮም ከምዝህደኑን ንዝተፈላለዩ ዓመጻት ከምዝቃልዑን ይንገር።

ኣብ ሰሜን ኮሪያ ናይ ሃይማኖት ኣምልኾ ዘይኮነስ ናይቶም ዘለዓለማዊ ርእሰ ብሔር ተባሂሎም ንዝጽውዑ ኪም ኢል ሱግ ዝቐርብ ሕዝባዊ ኣምልኾ ጥራሕ ኢዩ ፍቑድ። ድሕሪ እቲ ናይ 1953 ብረት ኣውርድ ውሳኔ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ምእመናንን መራሕቶም ከምዝጠፍኡን ከምእተሰዱን ኤሺያን ኔውስ ብምዝካር፣ በዚ ምኽንያት ድማ ኣብታ ሃገር ትሕቲ 200 ዝኾነ ብዕድሜ ዝደፍኡ ክቶሊካውያን ጥራሕ ከምዝተረፉ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ይሕብር።







All the contents on this site are copyrighted ©.