2010-07-08 14:38:34

መልእኽቲ ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ኪሪል


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ዝሓለፈ ዕለት 1 ሓምለ 2010 ዓ.ም.ፈ. ነቶም ናይ ክርስትያን ሓድነት ዘተባብዕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ኮይኖም ነዘገልገሉ ብፁዕ RealAudioMP3 ካርዲናል ቫልተር ካስፐር ብዕድመ ገደብ መሠረት ንኽትክእዎም ነዘቕረብሎም ሕቶ ተቐቢሎም ኣዋንታዊ መልሲ ብምሃብ ኣብ ቦታኦም ብፁዕ ኣቡነ ኩርት ኮች ከምዝሾሙ ክፍለጥ እንከሎ፣ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክስ ቤተ ክርትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ውቅዱስ ኪሪል ናይ ሞስኮ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ሓላፊ ሜትሮፖሊታ ሂላሪዮን ፊርማ ዝተነብረሉ ናይ ጽቡቕ ተልእኾ ምንዮት መግለጺ ከምዘተሓላለፉ ተሓቢሩ።

ኣብቲ መልእኽቲ ፓትሪያሪክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል፣ እቲ ናይ ዝተፈላለዩ ክርስትያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ፣ ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስትያን ምቅርራብ ምዕቡልን ሓናጽን ዘተ ክህሉ ዝገበሮ ጻዕሪ ዝነኣድ ምዃኑ ጠቒሶም፣ ብፁዕ ኣቡነ ኮች ናይ ስዊዘርላንድ ብፁዓን ጳጳሳት ቤ ምኽሪ ኣባል፣ ቀናእ ጓሳን ዓቢይ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስትያን ንዝግበር ናይ ሓድነት ጻዕሪ ብዙሕ ኣስተዋጽኦ ዘበርከቱ ምዃኖ ብምዝካር ኣብዚ ሓድሽ ዝተውሃቦም ኃላፍነት ብኃይሊ እግዚኣብሔር ዕዉት ክኾኑ ከምእተተስፈዩ ተሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.