2010-07-06 13:42:22

ብፁዓን ጳጳሳት ስፐይን፣ ጻውዒት ንናይ ሞት ባህሊ ምቅዋም


ኣብ ስፐይን ካብ ትማሊ ዕለት 5 ሓምለ 2010 ዓ.ም. ጀሚሩ ብወግዒ ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል ዝጀመረ ናይታ ሃገር መንግሥቲ፣ ክሳብ ናይ 14 ሰሙን ጽንሲ ምንጻል RealAudioMP3 ዝፈቅድን ከምኡ ድማ ናይ 22 ሰሙን ጽንሲ እታ ነፍሰ ጹር ኣደ ሕይወታ ካብ ሓደጋ ንምክልኻልን ወይ ድማ እቲ ጽንሲ ንጥዕናኣ ኣስጋእን ከማኡ ድማ እቲ ዝተጸንሰ ስንኵልን ጉድለት ስንከላ ከምዘለዎ እንተድኣ ብዓንተውኡ ተፈሊጡ በዚ መሠረት ጽንሲ ምንጻል ዝፈቕድ ዘጽደቖ ሕጊ ጸረ ሕይወትን ናይ ሞት ባህልን ምዃኑ ብምግላጽ ናይ ስፐይን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኮኒኖም።

ትሕቲ ዕድመ ዝኾነት እንተ ድኣ ጽንሲ ሒዛ ዋላ’ኳ ትሕቲ ዕድመ ትዅን ብዘይ ናይ ወለዳ ፍቓድ ነቲ ጽንሲ ክትንጽል፣ እዚ ድማ እታ ነፍሰ ጹር ትሕቲ ዕድመ ንወለዳ ክትሕብሮም ትሕዝቲ ኢያ እኳ ኣንተበለ ጽንሲ ምንጻልን ዘይምንጻልን ግን ናታ ውሳኔ ኢዩ። ብኻልእ መዳይ ምስ ወለዳ ናይ ዓመጽን ዘይምቅዳውን ኩነት እንተድኣ ኣለዋ ግን ከይሓበረት ጽንሲ ክትንጽል ዝፈቅድ ሕጊ እውን ምዃኑ ብጹዓን ጳጳሳት ስፐይን ሓቢሮም፣ እዚ ሓድሽ ሕጊ ጸረ ሞራላዊ ሕሊናን ብፍላይ ድማ ንናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ናይ ሥልጣን ትምህርቲ ዝጻረርን ጸረ ሕይወትን ናይቲ ዝተጸንሰ ናይ ምውላድን ናይ ተፈቃርነትን ቅዱስ መሰሉ ዝሓክኽ ጸረ ፈጣርን ፍጥረትን ምዃኑ ብምትንታን፣ ጸረ ሕይወትን ናይ ሞት ባህልን፣ ጸረ ዝኾነ ይዅን ምዕባለ እውን ከምዝኾነ ድማ ሓቢሮም፣ ሕዝቢ ብፍላይ ድማ ኣማንያን ነዚ ሕጊ ብናይ ሕይወት ባህሊ ክቃወምዎን ናይ ሕይወት ባህሊ ኣብ ምስራጽ ተልእኾ ክተግሁ ሓደራ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.