2010-07-03 15:26:37

ኣገልግሎት ኣቢያተ ክርስትያን ኤውሮጳ ኣብ መናብርተ ጥበብ


ኣብ በልጂም ከተማ ናሙር ካብ ዕለት 8 ሓምለ ክሳብ ዕለት 10 ሓምለ 2010 ዓ.ም. ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ዓመታዊ ጉባኤ ኣገልግሎት ኣቢያተ ክርስትያን ኤውሮጳ ኣብ መናብርተ ጥበብ RealAudioMP3 (ዓለም ሓቆፍ ተመሃሮ መናብርተ ጥበብ) ምኽንያት ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ድሮ መልእኽቲ ከምዝተሓላለፈ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ናይ እምነትን ምርምርን ቋንቋ ንመላእ ዓለም ተመሃሮ፣ ኣብቲ ኣብ ዕዳጋ ኤኮኖምን ጥራሕ ዘማእከለ ዝፍጠር ዘሎ ኅብረሰብ ውሽጢ ዓቢ ብድሆ ምዃኑ፣ ኣብቲ ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ማሪያ ቨሊዮን ዋና ጸሓፊኦም ብጹዕ ኣቡነ ኣጎስቲኖ ማርኬቶ ብሓባር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ ብንጹር ተብራህሪሁ ከምዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።

እዚ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ጉባኤ ንናይ መናብርተ ጥበብ መደብ ሕንጸት ምዕባለ ዓቢ ደገፍ ምዃኑ ዘመልከተ መልእኽቲ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝወሃቡ ናጻ ናይ ዝለዓለ ትምህርቲ ዕድላትን ብፍላይ ድማ ንድኻታት ሃገራት ተመሃሮ እዚ ዕድል ብመንግሥትታት ይኹን ብዝተፈላለያ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበራትን ናይ ሃይማኖት ተቛማትን ኣቢያተ ክርስትያንን ዝወሃብ ምዃኑ ብምሕባር፣ ብምኽንያት መደብ ናይ ናጻ ትምህርቲ ዕድል፣ ብዙሓት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ኣብ ኤውሮጳን ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ትምህርቶም ዝከታተሉ ዘለዉ ልዕሊ 3 ሚሊዮን ከምዝግመቱን ኣብ 2025 ዓ.ም. ብዝሖም ናብ 7 ሚሊዮን ክብ ክብል ዝብል ግምት ድማ ብምምልካት፣ ኣቢያተ ክርስትያን ነዞም ተመሃሮ ዝህበኦን ዘቕርቦኦን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ኣገልግሎትን ኣብ መንጎ እምነትን ምርምርን ዘሎ ርክብን ሕቶን ዘነቓቕሕን መንሰያት ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ክህልዎም ዝድርኽ ምዃኑ የረጋገጽ።

ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እምነትን ምርምርን እትብል ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ እምነትን ምርምርን ዝማሉኡ እምበር ዝነጻጸጉን ዝገራጨዉን ከምዘይኩኑ ብምትንታን፣ እዞም ክልተ ማዕዝናት ወዲ ሰብ ገዛእ ርእሱን ዓለምን ከምኡ ድማ ንእግዚኣብሔርን ንኽፈልጥ መሠረት ከምዝኾኑን፣ ኣዕምሮ ወዲ ሰብ ድማ ሓቂ ኢዩ ዘናዲ፣ እቲ እንታይነት ሓቂ ናይ ሕይወት ፍጻሜ ብእምነት እምበር፣ ብምርምርን ብኣእምሮ ወዲ ሰብ ዝብጻሕ ኣይኮነን፣ ብዛዕባ ፍጻሜን ትርጉም ሕይወትን ምምርማር ማለት እግዚኣብሔር ምድላይ ማለት ምዃኑን ብዕምቆትን ብብቕዓትን ተተንቲኑ ከምዘሎ እንክፍለጥ፣ እታ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ፍቕሪ ብሓቂ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረሰዋ ዓዋዲት መልእኽቲ፣ እዋኑ ሓድሽ ርእየት ዘለዎ ሰብኣዊነት ዝጠልብ ምዃኑን እዚ ድማ ናይቲ ኣብ እምነትን ምርምርን ዝግበር ኣድማዒ ዘተ ዘንቀሎ ምዃኑን ኣብ መንጎ እምነትን ምርምርን ዝግበር ዘተ ንፍጥረት ሰብ፣ እምነት ኣብ እግዚኣብሔር ሓቀይናን ክውንን ኣእማንን ርትዓዊ ኣገባብ ከምዘለዎ ዘረጋገጽ ምዃኑን እቲ ሓቀይና ናይ ፍጥረት ሰብ ባህጊ ብዘየዳግምን ብወሳንን ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሉእ ብሙሉእ ዝተዛዘመ ኮይኑ ዝተበረ ምዃኑ ብምትንታን ኣስፍሆተ ወንጌል ነቶም እዋናዊ ተበጽሖታት ስነ ምርምርን ፍልስፍናን ዘነቓቕሖም ሕቶታት ሸለል ክብል ከምዘይብሉ እተተሓሳስብ ምዃና ኣብቲ ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘተሓላለፎ መልእኽቲ ተመልኪቱ ከምዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.