2010-07-03 15:24:57

ብዘይ ማዕርነትን ምኽባር ክብሪ ደቀ ንስትዮ ምዕባለ የሎን


ቅድሚ ትማሊ ኣብ ኒው ዮርክ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ናይ ኤኮኖምን ማኅበራውን ጉዳይ ዝሓሊ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካይዶ ጉባኤ ዝተረኽቡ ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር RealAudioMP3 ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ቸለስቲኖ ሚሊዮረ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ክብርን መሰልን ፍቓድን ደቀ ንስትዮ ኣፍልጦ ብምሃብን ማዕርነተን እውን ብምርግጋጽ እንተዘይኮይኑ ምዕባለ ክህሉ ማለት ዘበት ኢዩ ኢሎም፣ እቲ ኩለን ሃገራት ብኽታመን ክትግብርኦ ዝተሰማምዓሉ መደብ ልምዓት ሚለኒዩም ካብ ዘመልክቶም ነጥብታት ሓደ፣ ምኽባር መሰልን ፍቓድን ደቀ ንስትዮን ካብ ዘጓንፈን ምድላዋት ናጻ ምውጻእን ማዕርነተን ምርግጋጽን ዝብል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ ኃላፍነትን መሪሕነትን ንደቀ ንስትዮ ምሃብ ማለት ዘለወን ናይ ምግልጋልን ንስድራን ኅብረተሰብን ተወፋይነተን ምኽባር ማለት ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ደቀ ንስትዮ ኣብ ኤኮኖምን ማኅበራውን መዳይ ዘለወን ተሳትፎ ክብ እናበለ እኳ እንተኾነ እቲ ጉዕዞ ገና ነዊሕ ከምዝመስል ሓቢሮም፣ ብዘይ ምርግጋጽ ማዕርነት ደቀ ንስትዮ ኩሉ ምዕባለ ጎዶሎ ኢዩ ኢሎም።

ሰብኣይን ሰበይትን መማልእቲ ከምዝኾኑን ጠቒሶም፣ እዚ ድማ ማዕርነት ኣብ ባህርያዊ ፍልልያቶም፣ ማለት እቲ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ክህሉ ዝድለ ማዕርነት ነቲ ናይ ነፍሲ ወከፎም ፍሉይ ባህሪ ዝሓክኽ እቲ ሓደ በቲ ሓደ ዝትካእ ወይ ድማ ክዕብለል ማለት ከምዘይኮነን ኣረዲኦም፣ ማዕርነት ክብርን መሰልን ፍቓድ ብምኽባር ፍልልያቶም ክረጋገጽ ኣለዉ ኢሎም።

ኣብ መንጎ ድኻታትን ሃብታማት ሃገራት ዘሎ ፍልልይ ሕጂ እውን ጸኒዑ ይቕጽል ከምዘሎ ሓቢሮም፣ ኣብ መንጎ ሃብታም ድኻን ኣብ መንጎ ፍጥረት ሰብን ዓሌታትን ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ፍልልያትን ኣድልዎን ንምውጋድ ዝግበር ዘሎ ፖሊቲካውን ማኅበራውን ኤኮኖሚያውን ጻዕሪ ንበይኑ እዅል ኣይኮነን፣ ምእንቲ’ዚ እቲ ፍልልያትን ኣድልዎን ንምውጋድ ዝግበር ጻዕሪ ብዝያዳ ብሕጊ ዝተደገፍ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ምዕባለ ሥነ ምርምር ናይ ደቀ ንስትዮ ኣደነት ባህሪ ዝድግፍን ዘተባብዕን እምበር፣ ዘህስስ ክኸውን የብሉን። ኣብ ድኽታት ሃገራት ንደቀ ንስትዮ ምሉእ ሕክምናን ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰለን ክኽበረለን ግቡዕ ተግባር ኢዩ ኢሎም። ኣብዚ መዳይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን እትህቦ ኣገልግሎት ርኡይ ምዃኑ ድማ ሓቢሮም፣ ማዕርነትን ምኽባር መሰልን ፍቓድን ደቀ ንስትዮ ምርግጋጽ፣ ደገፍ ሥድራን ማኅበረሰብን ኅብረተሰብን ኢዩ ከምዝበሉ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.