2010-07-03 15:23:43

መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ጽባሕ ሰንበት ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር አብሩዞ ኣብ እትርከብ ከተማ ሱልሞና ሓዋርያዊ ብምጻሕ ከካይዱ ምዃኖም RealAudioMP3 ተገሊጹ።

ቅዱስ ኣቦና ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነት ውሉደ ክነትን ናይ ኣብሩዞ ብፁዓን ጳጳሳትን ገዳማውያንን በሸሓት ዝቁጸሩ ተቐማጦ ክፍለ ሃገር ኣብሩዞን ኣብ ዝርከብሉ ኣደባባይ ጋሪባልዲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን፣ ንኽብሩ ቅዱስ መበል 192 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ጴጥሮስ ቸለስቲኖ ሓምሻይ ዓመት ኢዩቤል ኣብ ቅድሚ ቅዱሳት ትሩፋት ቅዱስ ጴጥሮስ ቸለስቲኖ ሓምሻይ ጸሎት ከዕርጉን ምስ ናይታ ክፍለ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳትን ውሉደ ክህነትን ቀጺሎም ምስ መንእሰያት ክራኸቡን መሪሕ ቃሎም ክህቡ እውን ምዃኖምን እዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ’ዚ ተስፋ ዘነቓቕሕን ከምቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጴጥሮስ ነሕዋት ብእምነት ኣጽንዕ እንክብል ዘረከቦ ጸዋዕታ ዘቃልሕ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.