2010-07-01 14:02:03

ጊኒ፣ ናይ ሓባር ጻውዒት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት


ኣብ ጊኒ ብዝሓለፈ ሰንበት ዝተኻየደ ናይ ርእሰ ብሔር ምርጫ ኣመልኪቶም ኣብ ኮናክሪ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ብፁዕ ኣቡነ ቪንሰንት ኩሊባልይ ምእንቲ ሰላም ዕለት 26 ሰነ 2010 ዓ.ም. ንዝዓረገ RealAudioMP3 ዘመሥዋዕተ ቅዳሴ ሰሪዖም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ነቲ ንሰላምን ንሓድነት ኩሉ ኃላፍነቱ ከኽብር ዝዕድም ናይ እግዚኣብሔር ድምጺ ጽን ንበል ድምጹ ንምስማዕ ልባትና እውን ንኸፈተሉ ቢሉም፣ ዝኾነ ይዅን ሓገራዊ ምርጫ ናይ ሰላም መሠረት እምበር ናብ ሁከትን ጽልእን ዝደፍእ ክኸውን ከምዘይብሉ ኣተሓሳሲቦም። ሰብኣዊ ክብሪ ክኽበር ፍትሕን ሰላምን ክነግሥን ናይቲ ዝተኻየደ ምርጫ ውጽኢት ኵሉ ብትዕግሥቲ ክጽበን ድላይ ሕዝቢ ድላይ ናይቲ ዝረጋገጽ መንግሥቲ ዝኽተሎ ፖለቲካ መሠረት ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ዓለም ሓቆፍ ተዓዘብቲ ኣካላት ርእይቶ ከምዘይሃቡሉ እንክፍለጥ፣ እዚ ዴሞክራሲያዊ ናይ ርእሰ ብሔር ምርጫ ጊኒ ካብ 1958 ዓ.ም. ነጻነታ ካብ እትእውጅ ፈለማ ምዃኑ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.