Home Archivio
2010-07-01 13:59:30
ናይ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ብፁዓን ጳጳሳት
ዴሞክራሲያዊት ሬፓብሊክ ኮንጎ ካብ ናይ ቤልጂም ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ዝወጻተሉ
መበል 50 ዓመት ምኽንያት ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ሓባር ጥቅሚ መሠረት ዝገብር ባህሊ ክሰፍሕ ኣብ ዝብል መሠረታዊ ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ከምዝተሓላለፉ ተገሊጹ።
እብቲ በዓል ናጽነት
ንቕዱስ ኣቦና ወኪሎም ዝተረኽቡ ኣብ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ልዊጂ ትራጋሊኖ ከምዝኾኑ እንክንገር ናይ ቤልጂም ንጉስ ኣልበርት ዳግማውን ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ርእሰ ብሔር ጃኮብ ዙማን ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን እውን ከምእተረኽቡ ተሓቢሩ።
ናይ ዴሞክራሲያዊት ሬፓብሊክ ኮንጎ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብምኽንያት መበል 50 ዓመት በዓል ናጽነት፣ ብወንጌል መሠረት ንዝተፈጸመ ኣድማዒ ከይዲ ንእግዚኣብሔር ምምስጋን ጥራሕ ዘይኮነስ ነዛ ሓገር መንእሰይ ወለዶ መጻኢ፣ ኣብ ምኽባር ናይ ሓባር ጥቅምን ምትሕብባርን ናይ ዓለም ማኅበረሰብ ምትሕብባር ዘማእከለ ባህሊ ክፍጠረሉን ኣብዚ መዳይ’ዚ ኩሉ ከከምኃላፍነቱ ክተግህ ምጽላይ የድሊ ከምዝበሉ ተገሊጹ።
ብዛዕባ ኅልው ኩነታት ዴሞክራሲያዊት ሬፓብሊክ ኮንጎ ኣመልኪቶም ኣባል ማኅበር ገዳማውያን ሳቨሪያኒ ኣባ ፍራንኮ ቦርዲኞን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ነቲ ናይ ሓምሳ ዓመት ናጽነት ተር ብዝበለ መልክዕ ክትንትኖ ኣጸጋሚ ኢዩ፣ ስለምታይሲ ኣብዘን ዝሓለፋ ሓምሳ ዓመታት ናይ ሓድ ሕድ ግርጭታትን ዓሌታዊ ምስሕሓባትን ናይ ኣሕዋት ምቅትለታትን ተፈጺሙ ኢዩ፣ እንተኾነ ግን ኣብ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ ዝኣምን ክፍሊ ኅብረተሰብ ዴሞክራሲያዊት ሬፓብሊክ ኮንጎ ብዝፈጽሞ ዘሎ ምንቕቓሓት መሠረት፣ ናይ ብሩኅ መጻኢ ተስፋ ዝረኣየሉ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ናይ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መልእኽቲ እውን ነዚ ዘነጸረ ምዃኑ ኣረዲኦም፣ እታ ሃገር ካብ እግዚኣብሔር ብናይ ተፈጥሮ ጸጋ ዝተዓደለት ኢያ። ስለዚህ ምክብባርን ምቅብባልን ዕርቅን ሰላም እንተድኣ ነጊሡ ዘይትመሓየሸሉ ምኽንያት ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ። ኮንጎ ከምቲ ክሳብ 1908 ዓ.ም ትሕሰበሉ ዝነበረት ናይ ግሊ ንብረት ዘይኮነት ናይ ኩሉ ዜጋ ሃብትን ሃገርን ንብረትን ኢያ ስለዚህ ኩሉ ኣብ ናይ ሓባር ጥቅሚ እንተድኣ ኣተኲይሩ ጥራሕ ኢዩ ብሓቂ እቲ በዓል ናጽነት በዓል ናጽነት ክበሃል ዝኽእል እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።
All the contents on this site are copyrighted ©.