2010-07-01 13:59:30

ናይ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ብፁዓን ጳጳሳት


ዴሞክራሲያዊት ሬፓብሊክ ኮንጎ ካብ ናይ ቤልጂም ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ዝወጻተሉ RealAudioMP3 መበል 50 ዓመት ምኽንያት ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ሓባር ጥቅሚ መሠረት ዝገብር ባህሊ ክሰፍሕ ኣብ ዝብል መሠረታዊ ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ከምዝተሓላለፉ ተገሊጹ።

እብቲ በዓል ናጽነት RealAudioMP3 ንቕዱስ ኣቦና ወኪሎም ዝተረኽቡ ኣብ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ልዊጂ ትራጋሊኖ ከምዝኾኑ እንክንገር ናይ ቤልጂም ንጉስ ኣልበርት ዳግማውን ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ርእሰ ብሔር ጃኮብ ዙማን ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን እውን ከምእተረኽቡ ተሓቢሩ።

ናይ ዴሞክራሲያዊት ሬፓብሊክ ኮንጎ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብምኽንያት መበል 50 ዓመት በዓል ናጽነት፣ ብወንጌል መሠረት ንዝተፈጸመ ኣድማዒ ከይዲ ንእግዚኣብሔር ምምስጋን ጥራሕ ዘይኮነስ ነዛ ሓገር መንእሰይ ወለዶ መጻኢ፣ ኣብ ምኽባር ናይ ሓባር ጥቅምን ምትሕብባርን ናይ ዓለም ማኅበረሰብ ምትሕብባር ዘማእከለ ባህሊ ክፍጠረሉን ኣብዚ መዳይ’ዚ ኩሉ ከከምኃላፍነቱ ክተግህ ምጽላይ የድሊ ከምዝበሉ ተገሊጹ።

ብዛዕባ ኅልው ኩነታት ዴሞክራሲያዊት ሬፓብሊክ ኮንጎ ኣመልኪቶም ኣባል ማኅበር ገዳማውያን ሳቨሪያኒ ኣባ ፍራንኮ ቦርዲኞን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ነቲ ናይ ሓምሳ ዓመት ናጽነት ተር ብዝበለ መልክዕ ክትንትኖ ኣጸጋሚ ኢዩ፣ ስለምታይሲ ኣብዘን ዝሓለፋ ሓምሳ ዓመታት ናይ ሓድ ሕድ ግርጭታትን ዓሌታዊ ምስሕሓባትን ናይ ኣሕዋት ምቅትለታትን ተፈጺሙ ኢዩ፣ እንተኾነ ግን ኣብ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ ዝኣምን ክፍሊ ኅብረተሰብ ዴሞክራሲያዊት ሬፓብሊክ ኮንጎ ብዝፈጽሞ ዘሎ ምንቕቓሓት መሠረት፣ ናይ ብሩኅ መጻኢ ተስፋ ዝረኣየሉ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ናይ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መልእኽቲ እውን ነዚ ዘነጸረ ምዃኑ ኣረዲኦም፣ እታ ሃገር ካብ እግዚኣብሔር ብናይ ተፈጥሮ ጸጋ ዝተዓደለት ኢያ። ስለዚህ ምክብባርን ምቅብባልን ዕርቅን ሰላም እንተድኣ ነጊሡ ዘይትመሓየሸሉ ምኽንያት ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ። ኮንጎ ከምቲ ክሳብ 1908 ዓ.ም ትሕሰበሉ ዝነበረት ናይ ግሊ ንብረት ዘይኮነት ናይ ኩሉ ዜጋ ሃብትን ሃገርን ንብረትን ኢያ ስለዚህ ኩሉ ኣብ ናይ ሓባር ጥቅሚ እንተድኣ ኣተኲይሩ ጥራሕ ኢዩ ብሓቂ እቲ በዓል ናጽነት በዓል ናጽነት ክበሃል ዝኽእል እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.