2010-07-01 16:52:40

ናይ ምብራቃውያን አብያተ ክርስትያናት ማሕበር ላዕላዋይ ሐላፊ ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ አብ ኤርትራ ፡


አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ምብራቃውያን አብያተ ክርስትያናት ማሕበር ላዕላዋይ ሐላፊ ብፁዕ ካርዲናል ለኦናርዶ ሳንድሪ አብ ኤርትራ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከከይዱ ሎሚ ንግሆ ርእሰ ከተማ አሥመራ አትዮም አለዉ ።

ናይ ኤርትራ ኤጳርቅናታት ቤተ ክህነት ሐለፍቲ ዉዕዉዕን ድሙቅ አቀባብላ ከም ዝገበሩሎም ተፈሊጡ አሎ።

በዚ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ ብፁዕ ካርዲናል ለኦናርዶ ሳንድሪ አብ ኤርትራ ሓዋርያዊ ዑደት ዝገብርሉ አውራ ምኽንያት ቅዱስ ያዕቅብ ዩስጢኖስ ዝዓረፍሉ መበል ሚእትን ሐምሳን ዓመት ንምዛክር ኢዩ።

ብፁዕ ካርዲናል ለኦናርዶ ሳንድሪ አብ ኤርትራ ንሕደ ሰሙን ከም ዝጸንሑን አብ ሱዳንን ኤርትራን ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ወኪል ብፁዕ አቡነ ለኦ ቦካርዲ ተሰንዮም

ሰለስቲኤን ኤጳርቅናታት ኤርትራ አሥመራ ከረን ባረንቱ ከም ዝበጽሑን ምስ ናይ ሰለስቲኤን ኤጳርቅናታት ኤርትራ ቤተ ክህነት ከም ዝራኸቡን ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሰላምታን ሓዋርያዊ ቡራኼ ከም ዘብጽሕሎምን ክአ እቲ







All the contents on this site are copyrighted ©.