2010-07-01 13:55:34

ምእንቲ ጸዋዕታ መደብ ጸሎት 2010


ኣብ እንግልጣር ከተማ በርሚንግሃም ካብ ዕለት 2 ሓምለ ክሳብ ዕለት 4 ሓምለ 2010 ዓ.ም. ምእንቲ ጸዋዕታ ፍልዩ መደብ ናይ ልመና ጸሎት ክካይድ ምዃኑ እንክንገር፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ነቶም ኣብዚ ናይ ጸሎት መደብ ንዝሳተፉ ካብ 16 ክሳብ 35 ዓመት ዝዕድሚኦም RealAudioMP3 መንሰያት፣ ናይ እግዚኣብሔር ፈቃድ ኣብ ልዕሌዅም መታን ከተለልዩ ኣብ ጎይታ ሓድነትኩም ኣጽንዑ፣ ንናይ እግዚኣብሄር ፍቓድ ሕራይ ክትብሉ ዘብቅዓኩም ኣብቲ ጽንዓትን ኃይልን ዝጽግወው ኃይሊ መnንፈስ ቅዱስ እምነትኩም ኣንብሩ ዝብል መሪሕ ቃሎም ዘንበርሉ መልእኽቲ ንናይ ዌስትሚኒስተርን ናይ እንግሊጣር ብፁዓን ጳጳሳትን ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ቪንሰንት ገራርድ ኒኮልስ ከምዘተሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ነቲ ድሕሪ ክልተ ወረሒ ኣብ እንግልጣር ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ጠቒሶም፣ እንግልጣር ኣብ ጸሎትምን ሓሳቦምን ወትሩ ኅልውቲ ከምዝኾነት ብምርግጋጽ፣ ንሕዝብን ቤተ ክርስትያንን እንግሊጣርን ቡራኬኦም ከምዘተሓላለፉ እቲ ካብ ቅድስቲ መንብር ዝተዘርግሔ መግለጺ ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.