2010-06-29 12:45:25

ዘይዕግበትና ዘዕግብ ሓቀይና ሓጎስና ክርስቶስ ኢዩ


ብላቲን ሥርዓት ሎሚ ዓመታዊ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስ ወጳውሎስ ከምዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ በዚ ዓቢ በዓል ምኽንያት፣ ናይ ቫቲካን ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል አንጀሎ ኮማስትሪ ንናይ ቫቲካን ሠራሕተይናታት RealAudioMP3 ኣብ ቫቲካን ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ትማሊ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ ተሓቢሩ።

ብፁዕነቶም ኣብ ዘስሞዎ ስብከት፣ ድሕሪ እቲ ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነት ዘጋጥም ህደናን ስደትን ኣብ መንጎ ብርሃንን ጸልማትን ኣብ መንጎ ሰናይን ክፍኣትን ኣብ መንጎ ፍቕርን ጽልእን ዘሎ ፈታኒ ቓልሲ ተኸዊሉ ከምዘሎ ገሊጾም፣ እቶም ኣብ ክርስቶስ ዝኣምኑ ብናይ ፍቕሪ ሕጊ ዝምርሑ ክነሶም በንጻሩ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ዓመጽ ከይጸብጸቡ ነቶም ዝጸልኡኹምን ዘሳድድኹምን ኣፍቅሩ ዝብል ናይ ዓለም ኣገባብ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ዘይኽተል ዘደንጽው ናይ ፍቕሪ ሕጊ ዝእዘዙን፣ ዝኽተሉን ዝኣምኑን ኢዩም። ክርስትና ማዕርነት ናይ ኵሉ ፍጥረት ሰብ ሰብኣዊ ክብሪ ዘበስርን ነቲ ክርስቶስ ናይቶም ኃያላን ትዕቢትን ኣነነትን “እቲ ንሓደ ኻብዞም ዝነኣሱ ኣኅዋተይ ዝገበርኩምዎ ንኣይ ከም ዝገበርክምዎ ብሓቂ እብለኩም ኣሎዅ” ዝብል ሓድሽ ናይ ፍቕሪ ትርጉም ዝስዕብ ኢዩ።

ብፁዕ ሊቀ ካህናት ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቀጺሎም፣ ነቲ ብዙሓት ዝነብርዎ ዘይርጉጽነት ውሽጣውን ደጋውን ኩነትን ጥርጠራን ስእነት ነቕ ዘይብል መርገጽን ዝነብር ዓለም፣ ንጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፈልጥ፣ ክርስቶስ ብቑዕ ናይ ሕይወትና ትርጉም ዝኾነን፣ ዝገልጽን ዝነግርን ድኻምናን ዘይዕጋበትናን ዘሕውይን፣ ነቲ ናይ ዘይምሕጓስናን ዘይዕጋበትናን ምኽንያት ዝኾነ ቅንእን ሻራን ዝቡንቅስ፣ እንኮ ኣካል ምዃኑ ስለ ዝርዳእ፣ ብዘይክርስቶስ ክንብር ከምዘይከኣል ይፈልጥን የፍልጥን። ብዘይ ክርስቶስ ምንባር ዝከኣል እኳ ኣንተመሰለ እዚ ዓይነት ምንባር ግን ምልኣት ኣልቦን ስእነት ነቕ ዘይብል ትርጉም ሕይወትን ስለ ዝኸውን፣ ሕይወትና ናብ ክርስቶስ ከብል ኣብ ምዃንና ዘሎ ባህርያዊ ምድላውን ዝምባለን ዝሕብሮ ሓቂ ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.