2010-06-29 12:46:45

ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ


ዕለት 27 መስከረም 2010 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ በጻሕትን ገያሾን ምኽንያት ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ፣ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ መስህቦ ምክንኻን ብዝብል ኣርእስቲ መልኽቲ RealAudioMP3 ከምዘተሓላለፈ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።

ሳቫናን ምድረ በዳን ዱርን ውቅያኖስን ዋልታ ምድርን ናይ ስነ ጥበብ ሃብትታትን ካልኦት ንመስህቦ በጻሕቲ ሸቶ ዝኾኑ ናይ ተፈጥሮን ናይ ምህዞን ሃብትታት ምዕቃብን ምክንኻንን ናይ ኵሉ ማኅበረሰብ ዓለም ግዴታን ሓላፍነትምን ኢዩ፣ ሃብቲ ተፈጥሮ ብኢድ ፍጥረት ሰብ ዝወርዶ ሓደጋ ቀሊል ከምዘይኮነን፣ ሳዕቤኑ ድማ ኩሉ ብቐረባ ዝፈልጦን ዝርእዮን ጉዳይ ምዃኑ ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ ማርያ ቨሊዮን ዋና ጸሓፊኦም ብፁዕ ኣቡነ ኣጎስቲኖ ማርኬቶም ክታም ዝተነብረሉ መግለጺ ብምሕባር፣ እቲ ኣብ ዓለም ዝርኤ ዝተፈላለየ ሥልቲ ሥነ ምኅዳር፣ እዚ ድማ ምስፋሕ ምድረ በዳነትን ምጥፋእ ሃብቲ ድሩን፣ ናይ ሃብቲ ኅብረ ሥነ-ህይወት ምጥፍእን ብጠቕላላ ተፈጥሮ ንሓደጋ ዘቃልዕ ብምዃኑ፣ ኣቲ ንተፈጥሮ ከመሓድርን ክከናኸንን ሓላፍነት ዝተውሃቦ ቀልቢ ዘለዎ ፍጥረት ነዚ ተረዲኡ ንምጥቃም ሃብቲ ተፈጥሮ ዝኽተሎ ሜላ ክግምግምን፣ ካብ ቀጥዒ ኣልቦ ኣህላኽነት ተግባሩ ሓራ ወጺኡ፣ ይኣኽለኒ ዝብልን ዓቀን ዝፈልጥ ዓይነት ሥልቲ ብምስዓብ ካብቲ ናይ ምብኻን ተግባራቱ ክእለ ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ የተሓሳስብ።

ናይ ተፈጥሮን ናይ ስነ ጥበብን ሥነ ምሕዞን ሃብቲ ንናይ መስህቦ ኤኮኖሚ ዓቢ ግደ ኣለዎ፣ እንተኾነ ግን ነቲ ናይ ተፈጥሮን ናይ ስነ ጥበብ ሃብቲ ንሓደጋ ዘቃልዕን ዘስግእን ክኸውን የብሉን፣ ስለዚ ናይ ገዛእ ርእሱ ሥነ ምግባር ክኽተል ከምዘለዎ ኣብቲ መልእኽቲ ተመልኪቱ ከምዘሎ እንክንገር፣ ኵሉ ተፈጥሮ ኣብ ምክንኻን ተግበር ክተግህ ናይ ሓደራ ጻውዒት ዝሠፈረሉ መልእኽቲ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.