2010-06-26 13:00:15

ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መግለጺ


ዕለት 11 ሓምለ 2010 ዓ.ም. ሰንበት ማያት ባሕሪት ክብዕል ምዃኑ ጳጳሳዊ ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮት ቤት ምኽሪ ብምሕባር፣ ማኅበረ ክርስትያን ንባሕረይናታትን ብሃብቲ ባሕሪ ዝመሓደሩ RealAudioMP3 ማኅበረሰብ ክሓስቦም ከምዝግባእ ናይቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበርን ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ ማሪያ ቨሊዮን ዋና ጸሓፊኦም ብፁዕ ኣቡነ ኣጎስቲኖ ማርኬቶ ብሓባር ካብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ባሕረይናታትን ብሃብቲ ዓሳ ዝመሓደሩ ገፈፍቲ ዓሳ ካብ ሓደ ወደብ ናብ ሓደ ወደብ ብምንቅስቃስ ዘሕልፍዎ ናብራን ናይ መራኽብ ጉዕዞን ናይቶም ናይ ባሕረይናታትን ብሃብቲ ባሕሪ ዝመሓደሩ ማኅበረሰብ ዓለም ወሰን ከምዘለዎ ዝሕብርን፣ ባሕረይናታት ኣብ ጽምዋ ዘሕልፍዎ ሕይወትን ዘጋጥሞም ኢፍትሓዊ ተግባራት ማለት፣ ዘይፍሉጣት ኮይኖም ዝነብሩን ብዝተፈላለዩ ሸፋቱ ባሕሪ ዝወርዶም መጥቃዕትን ኣብ ጎዕዞ ባሕሪ ዘጋጥሞም ሓደጋን ብምጥቃስ ናይ እደ ጥበብ ምዕባለ ናይ መራኽብ ጎዕዞ ኣዚዩ ክመሓየሽን ባሕረይናታት ብመርበብ ሓበሬታን ብናይ ኢድ ቴሌፎንን ኣብ ዝደለይዎ እዋን ምስ ዝደለይዎን ክራኸቡ እንተገበረ እውን ንባሕረይናታት ምዉቕ ኣቀባብላን መስተንግዶ ምቕራብ ሰናይ ተግባርን ሰብኣዊ ርክባትን ገና ክነቓቓሕ ዘለዎ ምዃኑን ሓቢሮም፣ ባሕረይናታትን ብሃብቲ ባሕሪ ዘመሓደሩ ክፍሊ ኅብረሰብ ኅብረ ሃይማኖትን ኅብረ ዓሌትን ዘንጸባርቑ ክኾኑ እንከለዉ፣ እቲ ዕለት 4 ጥቅምቲ 1920 ዓ.ም. ኣብ ግልስጎው ዝተበገሰ ናይ ባሕረይናታትን ብሃብቲ ባሕሪ ዝመሓደሩ ክፍሊ ሕብረተሰብ ሓዋርያዊ ሓልዮት ኣዚዩ ኣገዳሲ ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎን፣ ዘቕርቦ መንፈሳውን ሰብኣውን ኣገልግሎት ዝነኣድ ምዃኑ እውን ካብ ባሕረይናታትን ብሃብቲ ባሕሪ ዝመሓደሩ ክፍሊ ኅብረተሰብ ብቐረባ ዝምስክርዎ ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ቨሊዮ ሓቢሮም።

ናይ ባሕረይናታትን ብሃብቲ ባሕሪ ዝመሓደሩ ክፍሊ ኅብረተሰብ ሓዋርያዊ ሃልዮት ዝቕርቡ መንፈሳዊ መራሕቲ ካህናት ኣብ ዝተፈላለዩ ወደባት ዓለም ከምዝርከቡን ኣብ ወደባት እናኸዱ መራኽብ እናበጽሑን ምስ ባሕረይታት እናተራኸቡን መፍነሳዊ ኣገልግሎት ከምዘቕርቡ ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣዚ ንባሕረይናታትን ብሃብቲ ባሕሪ ዝመሓደሩ ክፍሊ ኅብረተሰብ ሓዋርያዊ ሓልዮት ኣብ 2001 ዓ.ም. 90 ዓመት መበል ጅማሬኡ ኣብ ዝተበዓለሉ ነዚ ዓይነት መፍነሳዊ ኣገልግሎት ብናይ ኩለን ሓገራት ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ትኵረት ክግበረሉ ጻውዒት ከምዝቐረበ ድማ ብፁዕ ኣቡነ ማርኬቶም ሓቢሮም፣ ኣብ 2006 ዓ.ም. ነዚ ዓይነት ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዝመርሕ ፍሉይ መምርሒ ከምዝወጸ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መገልጺ ኣዘኻኺሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.