Home Archivio
2010-06-15 13:46:42
ናይ ሕፃናት ጉዳይ ዝሓሊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ
ነቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሕፃናት ዝፍጸም ምግሃስ መሰልን ፍቓድን ክብርን ንምግጣምን ምስ ማኅበረሰብ ዓለም ብምትሕብባር ንምውጋድ መታን ክከኣል፣ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝምልከት
ንናይ ሕፃናት ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ምኽባር ዘተኮረን ዘንቓቕሕ ንሕፃናት ዝሓሊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ኵለን ኣቢያተ ክርስትያን ክህሉ ኣብ ኣውስትርያ ጳጳሳዊ ማኅበር ሓዋርያዊ ተግባር ኣመሓዳሪ ኣባ ለዮ ማስቡርግ ብዝሓለፈ ቐዳም ሕፃናት ኣብ ሥራሕ ዓለም ናይ ምውፋር ተግባር ጸረ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ምዃኑ ኣብ ዝተዘከረሉን ነዚ ዘነቓቕሕ ዝተፈላለዩ ጐስጓሳት ዝተባብዓሉ ዕለት ምኽንያት ኣብ ዝተሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘመልከቱ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ኣብ መላእ ዓለም ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ሕፃናት ኣብ ሥራሕ ዓለም ተዳጉይኖም ከምዝርከቡን ሕጻናት ካብዚ ተጻዒንዎም ዘሎ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ንምእላይ ብቀዳምነት ናይ ትምህርቲ ዕድል ክረኽቡን፣ እቲ ንሥራሕ ዓለም ዝድርኾም ድኽነት ምጥፋእን ምዃኑ ሓቢሮም፣ ቤተ ክርስትያን ናይ ሕፃናት መሰልን ፍቓድን ክኽበር ብዙሕ ከምእትጽዕርን ኣዘኻኪሮም፣ ነዚ ዝምልከት ፍሉይ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምሕንጻጽ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ ቢሎም፣ ናይ ሓፃናት ጉዳይ ዝሓሊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብምሕንጻጽ እተገልግል ምቕራብ ካብ እትጅምር ልዕሊ 165 ዓመት ከምዘቑጸረት ድማ ከምዘመልከቱ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
All the contents on this site are copyrighted ©.