2010-06-12 14:46:02

ዓበይቲ ነገራት ሃረር ንኽንብል ዝድርኽ ልቢ


ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሪሚኒ ካብ ዕለት 22 ነሓሰ 2010 ክሳብ ዕለት 28 ነሓሰ 2010 ዓ.ም. ምሕዝነት ኣብ መንጎ ሕዝብታት መበል 31 ክፋል ዓመታዊ ጉባኤ ዓበይቲ ነገራት ሃረር ንኽብንል ዝድርኸና ልብና ኢዩ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተሰንዩ ክካየድ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፣ እዚ ጉባኤ’ዚ ልዕሊ ሓደ RealAudioMP3 ሚእቲ ዝተፈላለዩ ርክባትን ሾሞንተ ናይ ስዕልታትን 18 ምርኢት ዘጠቓልል ከምዝኾነ ትማሊ ናይ ኢጣሊያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ፍራንኮ ፍራቲኒ ዝተሳተፍሉ ናይዚ ምሕዝነት ኣሕዛብ ሊቀ መንበር ኤሚሊያ ጓርኒየርን ኣብ ዝሃብኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢረን።

ናይዚ ምሕዝነት ኣሕዛብ ሊቀ መንበር ኤሚሊያ ጓርኒየሪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፣ እዚ ናይ ለብዘበን ክፋል መበል 31 ጉባኤ፣ ሰብ ምስቲ ልዑልን ፍጹምን ደረት ኣልቦን ዘለዎ ርክብ ዝስትንተነሉን፣ ወዲ ሰብ ነቲ ኣዙዩ ልዑል ዝኾነ ዝወሃብ እምበር ካባና ዘይኮኑ ዓበይቲ ንገራት ሃረር ንኽብል ዝድርኾ ልቡ ምዃኑ ዝብርህራሃሉን ኣብዚ ርእሰ ጉዳይ’ዚ ኣስተምህሮታት ዝቐረበሉን፣ ነዚ ዝሕብር ስዕላውን ስነ ጥበባዊ ምርኢት ዝቐረብሉ መድረኽ ኢዩ ኢለን።

ኣብቲ ጉባኤ ናይ ኣየርላንድ ርእሰ ብሔር ማርይ ምክኣለሰ፣ እቲ ታሪኽ ዝልወጥ ኃይሊ፣ ልቢ ሰብ ዝልውጥ ኃይሊ እውን ኢዩ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣስተምህሮ ከቕርቡ ከምዝኾኑ ጓርኒየሪ ኣመልኪተን፣ ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስትያን ዝግበር ዘተ መሠረት፣ ነቲ ኣብ መንጎ ካቶሊክን ኦርቶዶክስ ኣቢያተ ክርስትያን ዘሎ ናይ ሓባር ዘተ ብዝምልከት ናይ ኤስተርጎምን ቡዳፔስትን ሊቀ ጳጳስ ናይ ኤውሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶን ናይ ሚኒስኪ ሜትሮፖሊታ ብጹዕ ወቅዱስ ስሉዝክ ፊላረት ኣስተምህሮ ከቕርቡ ከምዝኾኑን፣ ናይ ቱርክን ግብጽን ናይጀሪያ ፓኪስታንን ኢራቕን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ምኒስትራትን ናይ ዴሞክራሲያዊት ሬፓብሊክ ኮንጎ ርእሰ ብሔር ጆሰፍ ካቢላን ብናይ ኢጣሊያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ፍራንኮ ፍራቲኒ ተሰንዮም ኣብቲ ጉባኤ ክሳተፉ ምዃኖም ሓቢረን፣ ናይ ኤውሮጳ ኅብረት ድርገታት ሊቀ መንበር ኤማኑኤለ ባሮሶ፣ ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ህዝባዊ ባይቶ ሊቀ መንበር ጀርዝይ ቡዘክ፣ ናይ ዱብሊን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዲያርሙይድ ማርቲን ብዛዕባ እቶም ኣብ ቀረባ እዋን ቤተ ክርስትያን ብፅእና እትእውጀሎም ብፁዕ ካርዲናል ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ጆን ሄንርይ ነውማን ኣመልኪቶም ዘረባ ከስምዑን ናይ ቨነዚያ ፓታሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ስኮላ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታውራንን ጳጳሳዊ ናይ ውሁደ ልቢ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲና ፖል ጆሴፍ ኮርደስ ካልኦት ናይ ሓይማኖታዊ ተግባር ተቛም ሊቀ መንበር ኤቶረ ጆቲ ተደስኮ ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ናይ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን ጋዜጠይናታትን ደረስትን ናይ ስነ ጥበብን ሙዚቃን፣ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ላዕለዎት ናይ ኣቢያተ ክርስትያንን ፖለቲካን ኣካላት ክሳተፉ ምዃኖም ሓቢረን ዝሃብኦ ቃለ ምልልስ ደምደማ።







All the contents on this site are copyrighted ©.