2010-06-12 14:47:42

ኣፍሪቃ፣ ትሕቲ ዕድመ ክፍሊ ኅብረተሰብ ኣብ ውትህድርና ዓለም


ኣብ ሰራልዮን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ኣባል ማኅበር ሳቨሪያኒ ኣባ ጀራርዶ ካሊዮኒ መንግሥታት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብታ ክፍሊ ዓለም ናይ ዓመጽን ውግእን መሣርሒ ንኽዅኑ ብሓይሊ ኣብ ውትህድርና ዓለም ዝዳጎኑ ትሕቲ ዕድመ ክፍሊ ኅብረተሰብ ኣፍሪቃ ጉዳይ ንኽውገድ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነዳት ምፍራምን እቲ እከይ ተግባር RealAudioMP3 ምኹናን ንበይኑ እዅሉ ኣይኮነን። ምእንቲ’ዚ እቲ ዝፍርምሉ ናይ ስምምዓት ሰነድ ኣብ ግብሪ ኣብ ምውዓል ክተግሁ ከምዘተሓሳሰቡ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣባ ካሊዮኒ ነቲ ኣብ ቻድ ርእሰ ከተማ ዕለት 9 ሰነ 2010 ዓ.ም. ዝተፈረመ ትሕቲ ዕድመ ክፍሊ ኅብረተሰብ ኣብ ወትህድርና ዓለም ከይሳተፉ ዝብል ናይ ስምምዕ ውሳኔ በቲ ኣብ ሰራሊዮን ዝለዎም ልምዲ መሠረት ብምንባብ፣ እቲ ብመንግሥቲ ቻድን ናይ ሕጻናት ጉዳይ ዝሓሊ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ማኅበር ዘነቓቕሕዎ ካብ ዕለት 7 ሰነ ክሳብ ዕለት 9 ሰነ 2010 ዓ.ም. ዝተኻየደ ሕጻናት ኣብ ውትህድርና ዓለም ዝቃወም ጉባኤ ከምምዝነበረ እንክፍልፈጥ። ኣብ ናይ ሓባር ስምምዕ ንምብጻሕ ዝቐረበ ሰነድ ቻድ ካሜሩን ማእከላይ ኣፍሪቃን ኒጀርን ናይጀሪያን ሱዳንን ከምዝፈረማሉን፣ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንግን ላይበሪያን ሰራሊዮን ግን ከምዝተሰማማዓሉ ኣመልኪቶም፣ እተን ዝፈረማ ሃገራት እቲ ስምምዕ ናይ ጽሑፍ ጥራሕ ኰይኑ ከይተረፍ ኣብ ምትግባሩ ክተግሃ ኣባ ካሊዮኒ ከምዘተሓሳሰቡ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.