2010-06-10 15:40:17

ዕላማ ናይ ካቶሊክ መናብረተ ጥበብ


ኣብ ታንዛኒያ ከተማ ምዋንዛ ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካንር ናይ ካቶሊክ መናብረ ጥበብን ኣባይቲ ትምህርትን ዓላምን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘተኮረ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዓውደ መጽናዕቲ ከምተጀመረ RealAudioMP3 እንክሕበር፣ ኣብ ኬንያ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ዝርከብ ናይ ምሥራቕ ኣፍሪቃ ናይ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ ምኽትል ኣፈ ጉባኤ ኣባ ጆን ማቪሪ፣ ኣብቲ ካብ ታንዛኒያን ካሜሩንን ኮንጎን ግብጽን ኣይቨርይ ኮስትን ኬንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ሱዳንን ታንዛኒያን ናይ ኡጋዳን ልኡኻታ ኣብዚ ዝሳተፍሉ ዘለዉ ዓውደ መጽናዕቲ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ንናይ ሰላም ባህሊ ዝሕነጸሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ መምዘኒ ምሁራትን ተመሃሮን እውን ክኸውን ኣለዎ፣ ናይ ካቶሊክ መናብርተ ጥበብን ኣባይቲ ትምህርትን ናይ ሰላም ባህል ዝነቓቓሓሉን ንኅብረተሰብ ኣፍሪቃ ዘገልግሉ መራሕቲ ዝሕንጽሉን ሥልጣንን ኃላፊነትን ኣገልግሎት ምዃኑ ግንዛቤ ዝርከበሉን ንርብሓ ኣፍሪቃን ሕዝባን ዝዓዩ ኣካላት ዝፈርዩሉ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም። ኣብተን ናይ ካቶሊክ መናብርተ ጥበብ ምሉኣዊ ዕብየት ተመሃሮ ዝረጋገጸሉን ተመሃራይ ናይ ካቶሊክ ማኅበራዊ ትምህርቲ ዝርድኣሉን እዚ ትምህርቲ እዚ ናተይ ቢሉ ዝቐበለሉ ክኸውን ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፣ መምሃራን ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ዕርቅን ፍትሕን ይቕረ ምብህሃልን ናይ ዘተን ባህሊ ከተባብዑን ክማዕብሉን ዝድግፉ ክኾኑ ኣለዎም ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ናይ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ሊቀ መንበር ናይ ዳር ኤል ሰላም ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ፖልይካርፕ ፔንጎ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ኣብ ናይ ካቶሊክ መናብረተ ጥበብን ኣባይቲ ትምህርትን ወንጌልን ሰብኣውያን ክቡራት ዋጋታት ህልው ክኸውን ኣለዎ፣ ብዙሕ ግዜ እዚ ማእከል ናይ ካቶሊክ መናብረተ ጥበባን ኣባይቲ ትምህርትን ክኸውን ዘለዎ መምርሒ ሸለል ከምዝበሃል ሓቢሮም፣ ናይ ቀለም ትምህርቲ ወይ ድማ ናይ ሙያ ትምህርቲ ዝቕሰመሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ሰብኣውን መንፈሳውን ማኅበራውን ዕብየት ዝሰፍሓሉ እውን ክኸውን ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፣ ፍልጠት ብጥበብ ዝምርሓሉ ናይ ግብረ ገብን ሥነ ምግባርን ኃላፍነት ዝሰፍሓሉ ኣፍሪቃ ንሰብኣውን መፈሳውን ማኅበራውን ዕብየትን ልምዓት ዝድርክ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.