2010-06-10 15:38:59

ናይ ወሲብ ዓመጽ፣ ብስነ ኣዕምሮኣዊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምቕራብ


ክልተ ኣባላት ማኅበር ኢየሱሳውያን ኣባ ጆቫኒ ኩቺን ኣባ ሃንስ ዞልነር ብዛዕባ እቲ ብሓደ ሓደ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ንቤተ ክርስትያንን ንመላእ ውሉደ ክህነትን RealAudioMP3 ዓለማውያን ምእመናን ዓቢ ስቓይ ኮይኑ ክምዘሎን፣ እዚ ጸረ ሰብኣዊ ገበንን ቤተ ክርስትያንን ዝተጋህደ ቁስልን ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ መጽሓፍ ብቤት ማኅተም ኣንኮራ ንንባብ ከምዝበቕዔ ተሓቢሩ።

እዚ መጽሓፍ እዚ ዓይነት ናይ ወሲብ ዓመጽ ብዓይኒ ስነ ኣዕምሮኣዊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ቀሪቡ ዝርኢ ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፣ ናይ መከላኸሊ ወይ ድማ ናይ ክርክርን መግለጺ ዘይኮነስ፣ እቲ ሽግር ብምታይ መልክዕ ተጸኒዑ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ዓሚዩቕ መጽናዕቲ ዝገበረን ስነ ኣዕምሮኣውን ማኅበራውን እንታይነቱ ብምድህሳስ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝወሃቦ ትንተናን ኣብ እዋናዊ ባህሊ ብኸመይ ይገልጽ ንዝብል ሕቶ ተንቲኑ ዘረድእ ምዃኑ ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ናይ ሥነ ኣዕምሮን ናይ ፍስልስፍና መምህርን ኣባ ጆቫኒ ኵቺ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበረዎ ቃለ ምልልስ ኣመልኪቶም፣ እዚ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ብዝምልከት መራኸቢ ብዙሃን ብኸመይ መልክዕ ከምዝገለጽኦን ከምዝተንተነኦን እንከረድኡ፣ እቲ ሽግር ንውሉደ ክህነት ጥራሕ ዝምልክት እናምሰላ ዝትንትነኦ ኢዩ ዝመስል፣ እቲ ብውሑዳት ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ገበን ክነሱ ሽግር ናይ መላእ ውሉደ ክህነት ጌርካ ምቕራብ ነቲ እንተ ላኣለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ጾታዊ ስምዒት ብዝምልከት እተቕርቦ ናይ ግብረ ገብ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ንምሕካኽ ዘለወን ድላይ ዘንጸባርቓ ኢዩ። ናይ ወሲብ ዓመጽን ንጽሕናን ድንግልናን ብምንጽጻርን ብምትሕሓዝን ምዕረ ማዕረ ክትንተን ንርኢ፣ እዚ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽን ናይ ድንግልና መብጻዓን ብንጽሕና ምንባርን ዘራኽቦ ነገር የሎን። እዚ ድማ ኣብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ካብ ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ 90 ካብ ሚእቲ ብሰብ ቃል ኪዳንን ውላድ ብዘለዎም ሰብ ሓዳርን ኢዩ፣ ስለ’ዚ ጉዳይ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ከም ናይ ቤተ ክርስትያን ጸገም ጥራሕ ጌርካ ምቕራብ ጌጋ ኢዩ።

ብትኽክል ካህን ዘለዎ ግብረ ገባዊ ኃላፍነት ዓቢይ ኢዩ፣ እዚ ድማ ናይ ካቶሊክ ዓንቀጸ ሃይማኖት ዝከታተል ቅዱስ ማኅበር ሸለል ዘይብሎ ገበን ኢዩ። ካብቲ ኣብ ዓለም ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ 3 ካብ ሚእቲ ንውሉደ ክህነት ዝምልከት ኢዩ። እቲ ተስዓ ካብ ሚእቲ ብወለድን ዓለማውያንን ዝፍጸም እውን እንተኾነ ቤተ ክርስትያን ናይዚ ሚእታዊ ሚዛን ምትሓት ግብረ ገባዊ ኃላፊነታ ዝንክዮ ኣይኮነን፣ ኵሉ ናይዚ ገበን ተሓታቲ ከከም ጸዋዕታ ሕይወቱ ዝሕተተሉ ኢዩ ኢሎም። ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመን ካልእ ከም ሶዶማዊ ጾታዊ ዝንባለ ዝኣመሰሉ ጾታዊ ስምዒት ቤተ ክርስትያን ብዓይኒ ስነ ኣዕምሮኣዊ ሐዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ቀሪባ መፍትሒ ክረከበሉ ትጽዕር ኢያ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መብል 16 ቅድም ናይ ካቶሊክ ኣንቀጸ ሃይማኖት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ እንከለዉን ሕጂ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ነዚ ሽግር ብቐረባ ተኸታቲሎሞን መፍትሒ ክረክብ እውን ጽዒሮም ሕጂ እውን ብቐረባ ዝከታተልዎ ጉዳይ ኢዩ። ነቶም ግዳይ ዝኾኑ ድማ ተቐቢሎም ብምጽንናዕ ተሓተቲ ግቡዕ ፍርዶም ክቕበሉ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም፣ እቶም ግዳይ ዝኾኑ ቤተ ክርስትያን ቀሪባ ምሉኣዊ ደገፍ ከምእተቕርበሎም ድማ ኣረጋጊጾም ኢዮም። ሕንጸት ዘርኣ ክህነት ብፍላይ ባህላዊ ሕንጸት ካልእ መምዘንታት ክህልዎ ድማ ንናይ መላእ ዓለም ሰበኻታት ብፁዓን ጳጳሳትን ሓለፍቲ ገዳማትን ከምዘተሓሳሰቡ ኣዘኻኺሮም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.