2010-06-10 15:41:50

ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኅብረት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ውሳኔ መሠረት ካብ ዕለት 19 ሰነ 2009 ዓ.ም. ክሳብ 19 ሰነ 2010 ዓ.ም. ኣብ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ዝብዕል ዘሎ ዓመት ክህነት ኣብ ፍጻሜ RealAudioMP3 ይቃረብ ከምዘሎ ክፍለጥ እንከሎ፣ ብዚ ምኽንያት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ናይ ክህነት ዓመት መዕጸዊ ብዝተፈላለዩ ናይ ጸሎትን ዓውደ መጽናዕታትን መደባት ተሰንዩ ይካየድ ከምዘሎ እንክንገር፣ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ቡፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ዋና ጸሓፍቲ ኣብ ሮማ ክሳብ ዕለት 13 ሰነ 2010 ዓ.ም. ብናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ማሪያኖ ክሮቻታ ድላይ ዝተዳለው ናይ ሰለስተ መዓልቲ ኣኼባ የካይዱ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ዋና ጸሓፊ ኣባ ዱኣርተ ዳ ኵኛ፣ እዚ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ጉባኤ ኣብ’ዚ ናይ ክህነት ዓመት መዕጸዊ በዓል፣ ካህናት በቢ ዘለውዎ ምስ መንበር ጴጥሮስ ብመንፈስ ሓቢሮም ከብዕልዎ ዝዕድም ምዃኑ ሓቢሮም፣ ብዛዕባ ርክብ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን መንግሥት ኣማእኪሉ ዝዝቲ ኣኼባ ከምዝኾነን፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኤቶረ ባለስትረሮ ናይ ወጻኢ ሥነ ርክባት ሊቅ ኣስተምህሮ ከቕርቡ ከምዝኾኑ ገሊጾም።







All the contents on this site are copyrighted ©.