2010-06-10 15:43:13

ብፁዕ ካዲናል ባኛስኮ፣ ዓለማውያን ምእመናን በላሕትን ኣመዛዘንትን


ክርስትያን ነጻ እምበር ሕሉፍ ውልቃውነት ዝነብር ማለት ከምዘይኮነን ብፍላይ ድማ ሕሉፍ ውልቃውነትን ናይ ኣነነት ባህሊ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን፣ ነቲ ሓቂ ዝጻረር ኣብ ሕሉፍ በዓል ቤታውነት RealAudioMP3 ዝኣምንን፣ ንብጻዩን ጎረቤቱን ዘይግደስን ውልቃውነት ዘተባብዕ ባህሊ ከመዛዝኖንን ብሥነ ነቐፌታ ክርእዮን ኣብ ሓቂ ዝተመሥረተ ነጻነቱ እናነበረ ብቓልን ብሕይወትን ክቃወሞ ከምዘለዎ፣ ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳስ ናይ ኢጣሊያ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል አንጀሎ ባኛስኮ ኣብ ቀረባ እዋን ቤተ ክርስትያን ብፅዕና እትእውጀሎም ብፁዕ ካርዲናል ጆን ሄንርይ ኔውማን ሓዲገመዎ ዝሓለፉ ጽሑፋቶም ብቋንቋ ኢጣሊያ ተተርጒሙን ተሓቲሙን ንንባብ ኣብ ዝቐረብሉ መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘመልከቱ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ነጻነት ማለት ንሓቂ ከምድላይካ ምትርጓም ማለት ኣይኮነን፣ ንሓቂ ከም ድላይካን ብበዓል ቤታዊ ደረጃ ምትርጓም ድማ ናይ ሓቂ ኵላውነት መልክዑ ዝጻረር ከምዝኾነ ኣረዲኦም፣ ሓቂ ርእዮቶ ዘይኮነስ ግልጸት ኢዩ ከምዝበሉ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።

ክርስትያን ነጻ ዝወጸ እምበር ውልቃውነት ዝነብር ማለት ኣይኮነን ቢሎም፣ ሓቅን ነጻነትን ተተሓሒዞም ዝኸዱን ዘይነጻጸሉን ከምዝኾኑ ከምዘረድኡ ክንገር እንከሎ፣ ነጻ እተውጽእ ሓቂ ምዃና ድማ ኣዘኻኺሮም ኣብ ሓቂ ዘይተመርኮዘ ነጻነት ባርነት ማለት ኢዩ ከምዝበሉ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.