2010-06-10 15:37:51

ቅድስቲ መንበር፣ ጥዕና (ክንክን ጥዕና) ኵላዊ መሰል


ሕግታት ዓለም ሓቆፍ ሓለዋ ጥዕናን ሕክምና ናይ ምርካብ መሰል ንዅሉ ዘረኢ ሰብ ዝምልከት ከምዝኾነን፣ ኵሉ ካብዚ ኣገልግሎት ውጉድ ከይከውን ዝሕብሩን ዘተሓሳስብን እውን እንተኾነ፣ እዚ ውሳኔ RealAudioMP3 እዚ ገና ምሉእ ብምሉ ኣብ ግብሪ ከምዘይወዓለን ጽሑፍ ጥራሕ ኮይኑ ከምዝተርፍን፣ ልዕሊ ክልተ ሚሊያርድ ዝግመት ክፍሊ ኅብረተሰብ ዓለም ሕክምና ናይ ምርካብ መሰል ዝተነፍጎ ምዃኑ ጄነቭ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ሰብኣውን መሰልን ፍቓድን ጉዳይ ኣብ ዝከታተል ማኅበር ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ መበል 14 ክፋላዊ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣመልኪቶም።

ብፁዕነቶም ብስልኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ቅድስቲ መንበር ኣብ ቤተ ክርስትያናዊ ተመክሮኣ፣ ኣብ ዓለም ልዕሊ 5 ሺሕ ኣባይቲ ሕክምናን ልዕሊ 18 ሺሕ ነኣሽቱ ናይ ሕክምና ጣብያን፣ 15 ሺሕ ናይ ኣረጋውያንን ብዝተፈላለዩ ሕማማት ብቐጻልን ብብርቱዕን ንዝሳቐዩ መዕቆብን፣ 500 ኣባይቲ ሕክምና ሕማም ደዌ ከምእተመሓድር ገሊጾም፣ ኣብ ድኻታት ሃገራት ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ንዘይረኽቡ ኣብ ገጠራት ንዝርከቡ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ከምእተቕርብ ብምሕባር፣ ብዙሕ ግዜ እተን ናይ መድሃኒት ኅብረ ኢንዳስትሪታት ናይ ዘምርትኦ መድሃኒት ወነንትን ዋጋ ተመንትን ብምዃኖን ኣብ ኤኮኖሚያ ረብሔኤን ጥራሕ ብምትኳር፣ እቲ ዘቕርብኦ ናይ መድኃኒት ዋጋ ንድኻታት ክፍሊ ኅብረተሰብ ዝንጽል ኢዩ፣ ምእንቲ’ዚ ብዛዕባ መሰል ዋንነት መድኃኒት ኅብረ ኢንዳስትሪታት ዝምልከት መምርሒ ክኅደስን፣ ሰብ ዘማእከለ ክኸውን ኣለዎ። ንኣብነት ካብቶም ኣብ ዓለም ክልተ ሚሊዮንን ሓደ ሚእቲ ሺሕ ዝኾኑ ብናይ ኤይድስ ኅዋስ ዝተለኽፉ 30% ጥራሕ ኢዩም ግቡእ መድኃኒት ዝረኽቡ፣ ስለዚህ ናይ መድኃኒት ቅዋም መሰል ዋንነት ዳግም ክርኤን ክኅደስን፣ እቶትን ሕክምና ናይ ምርካብ መሰልን ክምዓራረይ ኢዩ ዘለዎ እምበር ድኻታት ዝንጽል ክኸውን የብሉን ኢሎም።

ማዕድን ድኻታት ሃገራት ንምዕባለ ምዕራብ ሃገራት ዘወንጭፍ ኢዩ፣ እዘን ድኻታት ሃገራት ናይቲ ናይ ተፈጥሮ ሃብተን ተጠቀምቲ ክኾና ምሕጋዝ ወሳኒ ኢዩ፣ ናይተን ድኻታት ሃገራት ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ብምጥቃም ዝተፈላለያ ኢንዳስትሪታት ዘምርተኦ ኣፋውስን ዝውስነኦ ዋጋታቱ ድኻታት ሃገራት ዘይጻወረኦ ኢዩ፣ መሠረታዊ መፍትሒ ናይዚ ዅሉ ሽግር ብፍትሒ ዝምራሕ ዕዳጋን ኤኮኖምን ምርግጋጽ ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.