2010-06-10 16:39:37

ሮብዓዊ ትምህርቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ፡


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ትማሊ ከምቲ ልሙድ ነቲ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ዝተአከበ ህዝበ ክርስትያን ሮብዓዊ ትምህርቲ ሂቦም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብዚ ትማሊ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ዝተረኽቡ በሽሐት ዝቁጸሩ ምእመናን ዝሀብዎ ትምህርቲ ፡ አብቲ ዝሐለፈ ቅንያት አብ ደሴት ቆጵሮስ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዘተኮረ ኢዩ ኔሩ ።

ቅድስነቶም ዝሐለፈ ዓመት ቅድስቲ ሀገር ኢየሩሳሌም ቅድሚ ክልተ ወርሒ ደሴት ሞልታ ሕጂ ክአ ደሴት ቆጵሮስ ከም ዝበጽሑ ክዝከር ከሎ እዞም ሓዋርያዊ ዑደታት’ዚ አዎንታዊ ውጽኢት ከም ዝነበሮም ዝዝከር ኢዩ። እዞም ዝተጠቅሱ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝተበጽሑ መካናት ፡ጥንታዊ ታሪኽ ቤተክርስትያን ዘንጸባርቁ መካናት ከም ዝኾኑ ይፍለጥ ።

እዚ አብ መወዳእታ አብ ደሴት ቆጵሮስ ዝገበርዎ ሐዋርያዊ ዑደት ብናይ ቆጵሮስ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ላዕላውይ ሐላፊ ኪሪስቶሞስን መንግስትን ብዝተገብረሎም ዕድመ ከም ዝኾነ ይዝከር ።

አብ ደሴት ቆጵሮስ አብ ዝጸንሕሉ ግዜ ምስ ናይ መንግስቲ ሰበ ስልጣናት ዘካየድዎ ርክብ አብ ቦትኡ ኮይኑ ፡ ክርስትያናዊ ሐድነታዊ ርክብ ምስ ናይ ማእከላይ ምብራቅ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዘካየድዎ ርክብን ሲኖዶስ ጳጳሳት ዝጠመተ ዘተን ክርስትያን ካብ ቅድስት ሀገር ኢየሩሳሌም ከይዘናበሉ ዝሀብዎ መተሐሳሰብን አውራ ናይ ሓዋርያዊ ዑደቶም ርእሰ ጉዳያት ከም ዝኾኑ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፡ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ትማሊ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ንምእመናን ሮብዓዊ ትምህርቲ አብ ዝሃብሉ ግዜ ፡ አብ ክርስትያናዊ ባህሊ ዝተመሥረተት ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ቆጵሮስ ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብሓባር ንሐድነት አብያተ ክርስትያናት ምብራቅን ምዕራብን ዘተኮረ ዘተ ንኽተካይድ ከም ዘይትጽገም ገሊጾም።

ብዛዕብ’ቲ ምስ ካቶሊካውያን ሥርዓተ አምልኾ ላቲንን ማሮናውያንን አብ ቆጵሮስ ዝገበርዎ ርክብ ዘኪሮም ብፍላይ ምስቶ አብ ሰሜናዊ ቆጵሮስ አብ አርባዕተ ገጠራት ዝነብሩ ካቶሊካውያን ማሮናውያን ዘካየድዎ ርክብ አዝዩ ከም ዝመሰጦም ጠቂሶም ፡ ንቅዱስ ወንጌል ዝህብዎ ምስክርነት ክቅጽሉ ከም ዘበረታትዕዎምን አብቲ አከባቢ ነባሪ ሰላም ምእንቲ ክርከብ ምስ ክርስትያንን ዘይኮኑን ክዝትዩ ምስአቶም ሐበሮም መሳርሒ ሰላም ክኸኦኑ ከም ዝተለበውዎም ነጊሮ።

ክርስትያን ማኸላይ ምብራቅ ብፍላይ እቶም አብ ቅድስቲ ሀገር ኢየሩሳሌም ዝነብሩ አብ ዓቢ ስግአትን ስቃይን ከም ዝርከቡ ከም ዝተገንዘቡ ዘመልከቱ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ህልውና ክርስትያን አብ ቅድስቲ መሬት ተካኢ ዘይብሉ ምልክት ሰላም ስለ ዝኮኑ ካብ ምስዳድ ክዕቀቡ ከም ዝሐቱ አፍሊጦም ።

ቀጺሎም አብ ደሴት ቆጵሮስ ዘካየድዎ ሐዋርያዊ ዑደት ታሪካዊ ዑደት ከም ዝኾነ ዘኪሮም ክአ ዝሐለፈ ሰንበት ሽዱሽተ ሰነ አብ ኒቆሲያ መሥዋዕተ ቅዳሴ አብ ዘዕረግሉ ግዜ ንጳጳሳት ሀገራት ማእከላይ ምብራቅ Instrumentum Laboris ሰነድ ስራሕ ከም ዘረከብዎምን ዘኪሮም እቲ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥቅምቲ አብ ቫቲካን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ናይ ማእከላይ ምብራቅ ጳጳሳት ሲኖዶስ ንሰላም ንርግአትን ቅሳነትን ማእከላይ ምብራቅ አዎንታዊ አስተውጽኦ ክህብ ተስፋ ከም ዘሎዎም አመልኪቶም።

ርእሰ ሊቃነ ጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ አብቲ ትማሊ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ዝተአከቡ ምእመናን ሮብዓዊ ትምህርቲ አብ ዝሀብሉ ግዜ ፡ ብዛዕባቶም ከም ሎሚ ሰሙን ኣአብ ቱርኪ ዝተቀትሉ ናይ አናጦልያ ሐዋርያዊ መስተናብርን ናይ ረኪበ ጳጳሳትን ዝነበሩ እሞ ብመራሕ መኪንኦም ዝተቀትሉ ብፁዕ አቡነ ሉዊጂ ፓዶቨሰ ዘኪሮም፡ አብ ሓዋርያዊ አገልግሎት ተጸሚዶም ከለዉ ብኢድ ሰብ ሕይወቶም ምሕላፉ ከም ዘሰመበዶምን ዘሕዘኖምን አመልኪቶም ምእንቲ ድሕነት ነብሶም ከም ዝጸለዩ ገሊጾም።

አብ መውዳእታ ክአ ነቲ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ሮብዓዊ ትምህርቶም ዝሰምዕ ዝመጸ ህዝበ ክርስትያን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ሰላም ኢሎምን ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦምን ተፈንዮሞም ።








All the contents on this site are copyrighted ©.