2010-06-08 15:47:46

ክፍኣት ብምግባረ ሰናይ ይስነፍ


ቅድሚ ትማሊ ኣብ ፖላንድ ከተማ ቫርሳቪያ ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣንጀሎ ኣማቶ ብዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቅድሚ 26 ዓመት ዝተቐትሉ ኣባ ጀርዝይ ፖፓሉስዝኮ ናይ ሶሊዳርኖስክ ኣበ ነፍስ ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ በቲ ኣብቲ እዋን ብዝብነረ ጸረ ሃይማኖት ሥርዓት RealAudioMP3 ዘዋፈሮም ሓይሊ ጸጥታ ብጭካኔ ንዝተቐትሉ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ብጽእን ኣከምዝኣወጀትሎም ተገሉጹ።

ኣብቲ ብጽእና ንምእዋጅ ኣብ ዝቐረበ መሥዋዕተ ቅድሴ ልዕሊ 150 ሺሕ ምእነናን ከምእተረኽቡ እንክንገር፣ ናይ መንግሥትን ናይ ፖለቲካ ላዕለዎት እካላትን 90 ዓመት ዝዕድምኤን ናይቶም ብጽእና ዝተኣወጀሎም ኣባ ፖፓሉስዝኮ ኣደ ከምእተሳተፋን ተሓቢሩ።

እቲ ሥርዓት ቅዳሴ ቅድሚ ምጅማሩ፣ ናይ ቫርሳቪያ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ካዚማይርዝ ንይችዝ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ እታ ዕለት ንናይ ፖላንድ ቤተ ክርስያን ዓባይ ዕለት ኢያ ከምዝበሉ ክንገር እንከሎ፣ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡን ኣማቶ መሥዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ኣብ ፖፓሉስዝኮ ነቲ ኣብ ፖላንድ ዝነበረ ጸረ እግዚኣብሔርን ጸረ ናይ እምነትን ሥርዓት ዓቢ ዕንቃፋትን ናይ ሕሊና ሕቶን ኮይኖም ስለ ዝተረኽቡ ወዲ 37 ዓመት እንከለዎ ዝተቐትሉ ምዃኖም ዘኪሮም፣ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ ናይ ቅትለት ሓደጋ ልክዕ ነቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለን ዝተዋረደን ስቑል ኢየሱስ ከምዘምሰሎም ገሊጾም፣ ኣባ ፖፓሉስዝኮ ናይ ፖለቲካ ኣካል፣ ኣሸባሪ ዘይኮነስ ቅኑዕ ክርስቶስ ዘበሰረ ካህን ካቶሊክ ቤተ ርክስትያን ኢዩ ኔሩ፣ ኣቲ ብሕወትን ብቓልን ዝሰብኮ ዝነበረ ወንጌል ምስቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ማርክሳዊ ሥነ ሓሳብ ዘይሰማማዕ ብምንባሩ፣ እቲ ጽባቔን ሓቅን ወንጌል ነቲ ሥርዓት ዕንቅፋት ኮይኑ ስለ ዝተረኽበ ድማ ንሞት ከምዝተዳረጉን ገሊጾም፣ ካብቲ ካብ ቅዱስ ቁርባን ዝምንጭ ኃይሊ መሠረት ኩሉ ሥርዓት መንግሥቲ ሓላፊ እቲ ዘይሓልፍ ግን መንግሥቲ ኣምላኽን ቤተ ክርስትያኑን ምዃኑ ብሰማዕትነት ዝመስከረን ናይ ክፍኣት መንፈስ ብግብረ ሰናይ ጥራሕ ከምዝስነፍ ዝረጋገጸ ክርስቶስ ኣብ ምምሳል ዝተግሄ ኢዩ ኢሎ።

ተስፋ ምቕታል ዘይከኣል ኢዩ ብዝብል ኣርእስቲ ታሪኽ ሕይወት ኣባ ፖፓሉስዝኮ ዝደረሳ ኣናሊያ ጉለልሚ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፣ ኣባ ፖፓሉስዝኮ ኣብ ዝገብርዎን ዝነብርዎን ኵሉ ጸዋዕታ ክህነቶም ዝነበሩን ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ጽኑዕ ርክብ ፈታው ጸሎትን ኣስተንትኖን ከምዝነበሩ ሓቢረን፣ ብፍቕሪ ክርስቶስን ቤተ ክርስትያኑን ዝተቓጸለን ንቤተ ክርስትያን ተኣዛዝን ናይቶም ቅዱሳት ደቂ ፖላንድ ኣብነት ዝተኸተለ ኢዩ ኢለን።







All the contents on this site are copyrighted ©.