2010-06-08 15:55:21

ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ተዓዛቢ ማኅበር


ብዝተፈላለዩ ጸገማት ናብ ኤውሮጳ ዝስደዱ ትሕቲ ዕድመ ጉዳይ ብዝምልከት ናይ ኅብርት ኤውሮጳ ናይ ፍትሕን ውሽጣዊ ጉዳይ ቤት ምኽሪ ብዛዕባ ትሕቲ ዕድመ ስደተይናታት ዝምልከት ዘውጽኦ መምርሒ RealAudioMP3 ናይቶም ትሕቲ ዕድመ ስደተይናታት ናብ ሓገሮም ንምምላስ እምበር ነቲ ንስደት ዝደረኾም መምዩ ሰብኣዊ መሰሎምን ፍቓዶምን ውሑስ ኽከውን ኣብ ዝብል ቅዉም ነገር ዘማእከለ ከምዘይኮነ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዓለም ሓቆፍ ተዓዛቢ ማኅበር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። ናይዚ ማኅበር ኣባል ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ሊቅ ሲሞነ ትሮለር፣ ናይቶም ስደተይናታት ትሕቲ ዕድመ ረብሓ ኢዩ ክቕድም ዘለዎ ቢሎም፣ ናይ ዝኾነ ይዅን ሃገር ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ብዝምልከት ንዝኽተሎ መምርሒ መሠረት ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.